ቡርኪና ፋሶ ድሕሪ 30 ዓመታት፣ ብዴሞክራሳዊ ምርጫ ምስግጋር ስልጣን ተኻይዱ

ቡርኪና ፋሶ ድሕሪ 30 ዓመታት፣ ብዴሞክራሳዊ ምርጫ ምስግጋር ስልጣን ተኻይዱ

Radio Erena: 02 December 2015

Burkina

ቡርኪና ፋሶ ኣብ 30 ዓመታት ንመጀመርያ እዋና፣ ብደሞክራስያዊ ምርጫ ናይ ስልጣን ምስግጋር ኣካይዳ።

እዛ ብወትሃደራዊ ዕልዋታት እትፍለጥ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ንእሽቶ ሃገር፣ ን10ታት ዓመታት ርጉእ ናይ ስልጣን ካብ ዘይተራእየለን ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ብምዃን ሕማቕ ምስሊ ሒዛ’ያ ጸኒሓ።

ብሰንበት እብ ዝተኻየደ ምርጫ ግና ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ነበረ ሮሽ ማርክ ክርስትያን ካቦረ 53.5 ካብ ሚእቲ ድምጺ ብምርካብ፣ ኣብ ታሪኽ ኣታ ሃገር ፈላሚ ዝኾነ ደሞክርስያዊ መንገዲ ስልጣን ተረኪቡ ኣሎ።

 

ነታ ሃገር ንነዊሕ ዓመታት ብምልኪ ዝመርሓ ፕረዚደንት ብሌዝ ካምፓኦረ ዝሓለፈ ዓመት ኣንጻሩ ብዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምስጓጉ፣ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ’ቲ ብፕረዚደንት ሚካኤል ካፋንዶ ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ’ያ ጸኒሓ።

ሓፈሻዊ ምርጫ እታ ሃገር ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይዚ ዓመት’ዚ ክካየድ ተመዲቡ እኳ ኣንተነበረ፣ ሓለዋ ፕረዚደንት ነበረ ካምፓኦረ ብሰንኪ ዘካየድዎ ፈተነ ዕልዋ ግና ብሓደ ወርሕI ተናዊሑ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተፈተነ ዕልዋ፣ ካብ ሰራዊት እታ ሃገር ይኹን ካብ ህዝቢ ደገፍ ብዘይምርካቡ ክፈሽል ከምዝኽኣለ ኣይርሳዕን።

ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ውሑስ ናይ ስልጣን ምስግጋር ከተግብራ ብዘይምኽኣለን፣ ነቶም ን10ታት ዓመታት ብምልኪ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝሕልኑ መራሕቲ ንምእላይ ህዝባዊ ናዕብታትን ዕልዋታትን ከምዝርአ ይፍለጥ።

ቡርኪና ፋሶ፣ ካብዚ ንምስሊ ኣፍሪቃ ዝደወነ ፍጻሜታት ድሕሪ 30 ዓመታት ተገላጊላ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ስልጣን ክሰጋገር ምኽኣሉ፣ ኤርትራ ንእትርከበን ደሞክራስያዊ ምርጫ ከተግብራ ንዘይክኣላ ሃገራት ሓደ እዋን ተስፋ ምዃኑ’ውን ተዓዘብቲ የመልክቱ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0