ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝተዋፈሩ ፖሊስ ክልትኤን ሃገራት ሓባራዊ ዘተ ኣካይዶም

ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝተዋፈሩ ፖሊስ ክልትኤን ሃገራት ሓባራዊ ዘተ ኣካይዶም

Radio Erena: 01 December 2015

Border conf

እቲ ኣብ ከተማ ደማዚን ዝተኻየደ ዘተ ፖሊስ ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ነቲ ንክልትኤን ሃገራት ኣብ ዘዋስን ዞባታት ብሉ ናይል ቤንሻንጉልን ንዝርአ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰብን ኣቑሑን ካልእ ዘይሕጋዊ ተግባራትን ንምግታእ ዝዓለመ ምንባሩ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዞባ ንዝርአ ዘይሕጋዊ ተግባራት ንምግታእ ፖሊስ ክልትኤን ጎረባብቲ ሃገራት ብሓባር ክሰርሑ ድሕሪ ምስምምዕም፣ ሓባራዊ ርክብ ከካይዱ ንመበል ሻድሻይ ግዜኦም’ዩ።

ኣብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ብሉ ናይል ኣብ ዝኾነት ከተማ ደማዚን ብ28ን 29ን ሕዳር ዝተኻየደ መበል ሻዱሻይ ሓባራዊ ርክብ ፖሊስ ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ኣበርክቶ ፖሊስ ክልትኤን ሃገራት ኣብ ምውሓስ ጸጥታን ሰላምን እቲ ዞባ ዝንኣድ ምዃኑ ኮሚሽነር ፖሊስ እቲ ዞባ ዓብደል ራሽድ ካፊ ሰይድ ገሊጹ።

 

ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣስታት ሓደ ሽሕ ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ዶብ ብወገን ምዕራብ ክህልወን እንከሎ፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይቲ ንክልኤን ዘዋስን ከባቢታት ብፍላይ ኣብ ዞባታት ገዳርፍን ጎንደርን ምስሕሓብ ተኸሲቱ ምህላዉ ይፍለጥ።

ነቲ ተደጋጋሚ እዋን ግጭት ዝተኻየደሉ ዶብ ክልትኤን ሃገራት ሰላምዊ ምዕለቢ ንምንዳይ፣ መንግስታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክዘራረቡ ድህሪ ምጽናሕ፣ ኣብዚ ወርሒ’ዚ እቲ ዶብ ምምልካት ክግበረሉ ከምዝተሰማምዑ ይግለጽ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0