Updated: ኣብ ደብረዘይት፣ ኣብ ባህላዊ ጽምብል ብዝተላዕለ ናዕቢ ሓያሎ ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 03 October 2016

Oromo

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮሞ፣ ኣብ ከተማ ደብረዘይቲ(ቢሾፍቱ) ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ባህላዊ ጽምብል ኢሬቻ ብዝተዕለ ተቓውሞ ሓያሎ ሰባት ከምዝሞቱ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብቲ ብሰንበት 2 ጥቅምቲ ዝተኻየደ በዓል ኢሬቻ፣ ካብ ንግሆ ሰዓት ሽዱሽተ ኣትሒዙ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ኣብቲ ጽምብል ከምዝተረኽቡ ዝጠቐሰት ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር፣ ህዝቢ፣ “ወያነ ይኣክል” ዝብል ጭርሖታት ከምዘልዓሉ ሓቢራ።

ኣብ ማእከል’ቲ እቲ ሰልፊ፣ ናይ ቀደም ባንዴራ ኦሮሞ ብምልዓል ህዝቢ ተቓውምኦ ክገልጽ ድሕሪ ምጅማሩ፣ ኣድባ ንምብታን ዝተዋፈሩ ፍሉያት ሓይልት ኣትዮጵያ ብዝተኮስዮ ዘንብዕ ጋዝ ከምዝተኮሱ’ውን እታ ጋዜጣ ኣመልኪታ።

ካብቲ ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ዝተተኮሰ ዘንብዕ ጋዝ ክሃድሙ ናብ ጸድፊ ዝወደቑ ሓይሎ ሰባት ከምዝሞቱ ዝሓበረት ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ ብሰንኪ እቲ ናዕብን እቲ በዓል ከይተኸብረ ከምዝተረፈ ኣረዲኣ።

በዓል ኢሬቻ ሓደ ካብ ዝዓበየ ባህላዊ ጽምብላት ህዝቢ ኦሮሞ’ዩ።

እቲ በዓል ዝጽንበለሉ ዕለት ኣብ ዝተቓረበሉ፣ ተቓውሞ ክልዓል ይኽእል’ዩ ካብ ዝብል ስግኣት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ሓይልታት ጸጥታ ኣቐዲሙ ከምዘዋፈረ’ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

ኣብቲ ትማሊ ኣብ ቢሾፍቱ ዝተኻየደ ናዕብን ተቓውሞን ኣብ ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት ብዝርዝር እኳ እንተዘይተሓበረ፣ 52ሰባት ከምዝሞቱ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ተቓወምቲ ግና ክሳብ 300 ሰባት ከምዝሞቱን ከምዝቖሰሉን ‘ዮም ዝሕብሩ።
================

COMMENTS

WORDPRESS: 0