ወኪል መንግስቲ ኤርትራ፣ ንደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ዋሽንግተን ከካይዶ ዝወጠነ ሰሚናር ተሰሪዙ

Radio Erena: 03 October 2016

PF

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብርኣብን፣ ንደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ከካይድዎ ዝወጠኑ ሰሚናር ተሰሪዙ።

እቲ ንሰንበት 2 ጥቅምቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሰሚናር ህግደፍ፣ ዝተሰረዘሉ ምኽንይት፣ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ስለዝኣገዶ ምዃኑ ይዝረበሉ ኣሎ።

እንተኾነ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ይኩን ኣመሪካ ብዛዕባ’ዚ ብዝምልከት ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

ኣብ ጥቕምቲ 2011’ውን ብምኽንያት ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኒውዮርክ ንዝገሸ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ካብ ኒውዮርክ ወጻኢ ናብ ካልእ ክፋላት ኣመሪካ ከይንቀሳቐስ ብክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ስለዝተኸልከለ፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ዋሽንግተን ተመዲቡ ዝነበረ ኣኼብ ብህጹጽ ናብ ኑውዮርክ ከምዝተሰጋገረ ኣይርሳዕን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንምንቕስቓስ ኣባላት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ጥራይ ስለዝደረቶ፣ ኣመሪካዊ’ውን ከም ግብረ መልሲ ናይዚ፣ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ፣ ካብ ዋሽንግተን 25 ኪሎሜተር ርሑቑ ከይንቀሳቐስ ዝኽልክል ተመሳሳሊ ስጉምቲ ምውሳዳ ይፍለጥ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0