“ኣብ ኤርትራ፣ ሕማም ሸሮኽ ምቕልቃሉ ወግዓዊ ጸብጻብ የብልናን፣” ውድብ ጥዕና ዓለም

Radio Erena: 29 September 2016

WHO

ሕማም ሸሮኽ ኣብ ኤርትራ ሰባት የጥቕዕ ከምዘሎ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ዛጊት ዝኾነ ወግዓዊ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ገሊጹ።

ኣፈኛ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ናብ ሬድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝልኣኾ ሓበሬታ፣ ምስ ኤርትራ ቅርበት ኣብ ዘለዎ ዶባት ኢትዮጵያ ግና እቲ ሕማም ከምዝተቐልቐለ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ።

ሚኒስተሪ ጥዕና ኤርትራ፣ እቲ ሕማም ናብ ኤርትራ ከይላባዕ፣ ቅድመ ምድላዋት ይገበር ከምዘሎ’ውን እቲ ውድብ ኣብ መልእኽቲ ይጠቕስ።

 

ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ጨንፈር ጋሽ ባርካ፣ ብዛዕባ’ዚ ሕማም ብዝምልከት ዝኾነ መግለጺ እኳ እንተዘየውጽአ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብዝምልከት ንዝህቢ ባረንቱ ኣስመህሮ ከምዝሃበ ይዝከር።

ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ዞባ ከሰላን ካልእ ከባቢታት ሱዳንን 57 ሰባት ብሕማም ሸሮኽ ከምዝሞቱ ሚኒስትሪ ጥዕና ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ’ዩ።

መንግስቲ ሱዳን ምስ ኤርትራ ንዘዋስን ሓያሎ ከባቢታት ጽኑዕ ሕክምናዊ ምቁጽጻር ክሳብ ዝግበረሉ ንህዝቢ ካብ ፍኑው ምንቕስቓስ ገቲኡ ከምዘሎ ሬድዮ ዳባንጋ ትገልጽ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0