ኣብ ርያድ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዘጋጠመ ባርዕ ኣስታት 70 ሽሕ ርያል ዝግመት ንብረት ዓንዩ

ኣብ ርያድ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዘጋጠመ ባርዕ ኣስታት 70 ሽሕ ርያል ዝግመት ንብረት ዓንዩ

Radio Erena: 22 January 2015

Eri EmbSa

ኣብ ርያድ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ብሓሙስ15 ጥሪ ኣብ ዘጋጠመ ባርዕ፣ ኣስታት 70 ሽሕ ርያል ስዑዲ ዓረብ ዝግመት ንብረት ዕንወት ከምዝወረደ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ብሰንኪ እቲ ባርዕ፣ ክፍልታት ቤት ጽሕፈት ህግደፍ፣ ቤት ጽሕፈት ማሕበረ ኮም ክዓኑ እንከሎ ቤት ጽሕፈት መንእሰያትን ክፍሊ ዜናን እቲ ብዝያዳ ዝተሃስየ ምዃኑ’ውን ኣረጋጊጾም።

ብዘይካ’ዝዊን 37 ሽሕ ርያልን ነፍሲ ወከፈን ኣስታት 6 ሽሕ ርያል ዝግመታ ኣርባዕተ ቪድዮ ካሜራታትን’ውን በቲ ባርዕ ከምዝተሃሞኻ ዝጠቕሱ እቶም ምንጭታት፣ ኣዝዩ ብዙሕ ሰነዳት’ውን ከምዝተቓጸለ ኣፍሊጦም።

 

እቲ ባርዕ ዘጋጠመሉ ዕለት ሓደ መዓልቲ ቅድሚ’ቲ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ኣኼባ ማሕበረኮም ነበርቲ ርያድ ምዃኑ’ውን፣ ጠንቂ እቲ ባርዕ ብዝምልከት ኣዘራራቢ ኮይኑ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ኣመልኪቶም።

ጠንቒ እቲ ባርዕ፣ ሻሂ ንምፍላሕ ብዝተረስዐ ናይ ኤልክትሪክ ገመድ ምዃኑ እኳ እንትተተገልጸ፣ ሓያሎ ወገናት ከኣ ሰነዳት ንምቅጻል ኮነ ኢሉ ዝተገብረ’ዩ ክብሉ፣ ኤርትራውያን ነበርቲ ስዑዲ ዓረብ ክዘራረብሉ ይውዕሉ ምህላዎም’ውን ኣገንዚቦም።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣስታት 50 ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ ብዙሓት ካብዚኣቶም ብኣሰራርሓ እቲ ኤምባሲን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናብ ግዜ ዝሓቶ ዘሎ ክፍሊትን ምስኡ ብዝተሓሓዝ ጉዳያትን ብቀጻሊ ከምዘማሩ ዝፍለጥ’ዩ።

ክቡራት ተኸታተልቲ ሬድዮ ኤረና፣ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኣሰራርሓ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከምኡ ድማ ንዝምድና ኤርትራን ስዑዲ ዓረብን ብዝምልከት፣ ኣብቲ ኤምባሲ ብደረጃ ቆንስል ካልእ ጽፍሕታትን ንትሽዓተ ዓመታት ምስ ዘገልገለ ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ ዘካየድናዮ ቃለ መጠይቕ ኣብ ናይ ቀዳም 24 ጥሪ 2015 መደብ ክፉት ዘተ ከነቕርበልኩም ምዃና ኣቐዲምና ንሕብር።

=============================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0