ንሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ ሽዱሽተ ህቡባት ገጠምቲ፣ ስነጥበባውያንን ጋዜጠኛታትን ተለቒቖም

ንሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ ሽዱሽተ ህቡባት ገጠምቲ፣ ስነጥበባውያንን ጋዜጠኛታትን ተለቒቖም

Radio Erena: 22 Januray 2015

Eri Poe

ካብ ለካቲት 2009 ኣትሒዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ ሽዱሽተ ህቡባት ገጠምቲ፣ ስነጥበባውያንን ጋዜጠኛታት ትማሊ 21 ጥሪ 2015 ከምዝተለቑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቶም ግርማይ ኣብርሃም፣ ይርግኣለም ፍስሃ፣ መለስ ንጉሰ፣ በረኸት ምስግና፣ ጴጥሮስ ተፈሪ (ወዲ ቐሺ)ን ባሲሎስ ዘሞን ዝተባህሉ ኤርትራውያን ገጠምቲ፣ ስነጥበባውያንን ጋዜጠኛታትን፣ ምስ 10ታት ኣባላት ሬድዮ ባና ኣብ ለካቲት 2009 ዝተኣስሩ ኮይኖም፣ እቶም ዝበዝሑ ኣብ መጋቢት 2013 ክልቐቑ እንከለዉ፣ ንሳቶም ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ተኣሲሮም ዝጸንሑ’ዮም።

 

እቶም መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ 22 ለካቲት 2009 ብኣልማማ ዝኣሰሮም ገጠምትን ስነ ጥበባውያንን ዝርከብዎም ኣባላት ሬድዮ ባና፣ ኣብ ማይ ስርዋን ዓዲ ኣቤቶን ከቢድ ስቓይ ከምዘሕለፉን ኣስታት 30 ካብኣቶም ድማ ኣብ መጋቢት 2013 ብዋሕስ ከምዝፈተፈትሑን፣ ሓደ ካብቶም እሱራት ዝነበረ ገጣማይ ጸጋይ መሓሪ ምስ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ምርግጋጹ ዝዝከር’ዩ።

ሕጂ ድማ ነቶም ብዘይዝኾነ ክሲ ንሽዱሽተ ዓመታት ቀይድዎም ዝጸንሐ ሽዱሽተ ገጠምቲ፣ ስነ ጥበባውያን ጋዜጠኛታትን ዝኾነ ገበን ክረኽበሎም ስለዘይክለ ክፈትሖም ከምዝኸኣለ’ዩ ዝንግረ ዘሎ።

እዞም በብውልቆምን ብጉጅለታትን እናተጠርነፉ ኣብ ስነ ጽሑፍ ሃገርና ዓቢ ኣበርክቶ ክገብሩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስነጥበባውያን፣ ቀንዲ ዝተኣስርሉ ምኽንያት ዝፍለጥ ነገር እኳ እንተዘየለ፣ ኣብ መንእሰያት ምንቕቓሕ ከይፈጥሩ ዝብል ስግኣት ክኸውን ከምዝኽእል’ዩ ዝግመት።

ሬድዮ ኤረና፣ በዚ ኣጋጣሚ ንስድራ እዞም ተኣሲሮም ዝጸንሑ ጸሓፍትን ጋዜጠኛታት ንቤተስቦምን ኣዕሩኽቶምን ንኹሉ ኣፍቃሪ ስነ-ጥበብን ተጣበቕቲ ናጻ ፕረስን እንቋዕ ሓጎሰና ትብል።

==============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0