ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝካይድ ምርጫ ንምስታፍ ዛጊት 12 ሚልዮን ህዝቢ ተመዝጊቡ’ሎ ተባሂሉ

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝካይድ ምርጫ ንምስታፍ ዛጊት 12 ሚልዮን ህዝቢ ተመዝጊቡ’ሎ ተባሂሉ

Radio Erena: 22 January 2015

Ethioelec

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ንዝካየድ ባይቶኣዊ ምርጫ ንምስታፍ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 12 ሚልዮን ህዝቢ ተመዝጊቡ ምህላዉ ንሰበ ስልጣን እታ ሃገር ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ብሓፈሻ ድምጹ ንኽህብ ክምዝገብ ትጽቢት ተነቢርሉ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ 33 ሚልዮን ምዃኑ ዝጠቐሱ ሰበ ስልጣን ምርጫ እታ ሃገር፣ እዚ ሕጂ ዝካየድ ባይቶኣዊ ምርጫ ንደሞክራሲ ኢትዮጵያ ዓቢ ፈተና ምዃኑ ኣስሚሮም።

9 ጥሪ ዝተጀመረ ምዝገባ ኣድመጽቲ ክሳብ 19 ለካቲት ክቕጽል’ዩ።

ኣብዚ ኣብ 24 ግንቦት ዝካየድ ምርጫ ሓያሎ ፖለቲካውን ውድባትን ሰልፍታት ብተናጽለን ብልፍንትን ክወዳደራ ምዃነን ተፈሊጡ ኣሎ።

 

እንተኾነ እቲ ን24 ዓመታት ስልጣን ብሒቱ ዝርከብ ኢህወደግ፣ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ’ውን ተዓዊተ ብምባል ኣብ ስልጣን ምቕጻሉ ዘይተርፍ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ኢትዮጵያያን የረጋግጹ።

ኣብ 2005 ከምኡ ድማ ኣብ 2010 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫታት፣ ብልፍንቲ ተቃለስቲ ውድባት ትግራይ፣ ኣምሓራን ኦሮሞን ዝቖመ ኢህወደግ ብምድንጋር ከምዝተዓወተ ሓያሎ ተቓወምቲ ውድባት’የን ክወቕሳ ሓግየን።

ኢህወደግ፣ ኣብቲ ናይ 2010 ባይቶኣዊ ምርጫ 547 መናብር ካብ ዘለዎ ፓርላማ ኢትዮጵያ 545 መናብር ከምዝተዓወተ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ኢህወደግ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ’ውን ክዕወት ምዃኑ ዘረጋገጹ ተንተንቲ ፖለቲካ ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ሞት ኣቶ መለስ ዜናዊ ብግዝያውነት ተኪእዎ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻል ዘለዎ ዕድል ጸቢብ ምዃኑ የረድኡ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ላዕለዋይ መራሕ ሃገርን መንግስትን ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ብቀጥታ ብህዝቢ ዘይኮነ፣ ህዝቢ ብዝመረጾም ወከልቲ’ዩ ብኣባላት ፓርላማ ዝምረጽ።

=================================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0