ኣስመራ፣ ብሰንኪ ንሰሙናት ዝቕጽል ዘሎ ምቁራጽ ኤሌክትሪክ፣ ፋርማሲታት ኣብ መዝሓሊ ዝኸዘንኦ መድሃኒታት ክጉሕፋ ኣገዲዱ

Radio Erena: 04 December 2021

ኣብ ኣስመራ፣ ንሰሙናት ዝቕጽል ዘሎ ምቑራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ህዝቢ፣ ማሕበራዊ ንጥፈታትን ከም ጥዕና ዝኣመሰለ ትካላትን ከቢድ ጸቕጢ ፈጢሩ ይርከብ።

ሓያሎ ትካላት ናይ ገዛእ ርእሰን ጀነሬተራት ተኺለን፣ ንዝተወሰነ ሰዓታት ንዝህቦ ኣገልግሎታት ክጥቀማ ክኢለን ኣለዋ።

እዚ’ውን ነቲ ብኩፖንን ካልእ መሰናኽላትን ሰጊርካ፣ እኹል ነዳዲ እንተተረኺቡ ‘ዩ ይብሉ ራድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ወገናት።

ብስሩዕ ሓይሊ ኤሌክትሪን ዘድልዮ ከም ፋርማሲ ዝኣመሰለ ምስ ጥዕናን መሸጣ መድሃኒታትን ዝተተሓሓዘ ኣገልግሎታት ዝህባ ሓያሎ ትካላት ግና ዘሎ ኩነታት ዘይጽወር ኮይኑወን፣ ጸገማት ብጀነሬተራት’ን ክፈትሓ ስለዘይካላ፣ ዝኸዘንኖ መድሃኒታት ንምጉሓፍ ናብ ክፍሊ ምቁጽጻር መድሃኒትታት ክመልሳ ከምዝተገደዳ እቶም ወገናት ይጠቕሱ።

ገሊኦ መድሃኒታት፣ ብዘይምቁራጽ ኣብ መዝሓሊ ክተሓዝ ስለዘለዎ፣ ትካላት መሸጣ መድሃኒት ወይ ፋርማሲ ብሓፈሻው’ውን ንኣተሓሕዛ መድሃኒታት ብዝምችእ ዓይነት ምቐት ክህነጽ ከምዘለዎ ይፍለጥ።

ኣብ ሓያሎ ከተማታት ኤርትራ፣ ብተደጋጋሚ ዝርአን ንሰሙናት ዝቕጽልን ምቑራጽ ኤሌክትሪክ፣ ንመነባብሮ ህዝቢ ናብ ድሕሪት ጎቲቱ፣ ኣብ ጸልማት ከምዝነብር ጌርዎ ምህላዉ ካብ ህዝቢ ዝስማዕ መረረታት’ዩ።

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፣ ካብ መዓልታት ክሳብ ሰሙናት ዝቕጽል ምቑራጽ ኤሌክትሪክ ክኽሰት ንቡር ተርእዪ’ዩ።

ስእሊ፦ ኢንተርነት ኣርካይቭስ

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0