ሱዳን፣ ናብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳውባ ዞባ ኣልፋሺጋ ተወሳኺ ሰራዊትን ኣጽዋርን ተጸግዕ ከምዘላ ተሓቢሩ

Radio Erena: 04 December 2021

ሱዳን፣ ናብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳውባ ዞባ ኣልፋሽጋ ተወሳኺ ሰራዊትን ኣጽዋርን ተዋፍር ከምዘላ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እታ ሃገር ናብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕባ ዘሎ ከባቢታት ተወሳኺ ሰራዊት ተዋፍር ዘላ፣ ብወገን ኢትዮጵያ’ውን ተመሳሳሊ ወትሃደራዊ ምንቅስቓስ ኣሎ ካብ ዝብል ስግኣት ምዃና እተን መርበባት ጠቒሰን።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ብ27 ሕዳር ብዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ሽዱሽተ ወትሃደራት ከምዝተቕትሉዋን ኣስታት 30 ድማ ከምዝቖሰሉዋን እትገልጽ ሱዳን፣ ስድሪ’ውን ትኹን ናይቲ ሉኣላዊ ክፋለይ’ዩ እትብሎ ከባቢታት ኣልፋሺጋ ንኢትዮጵያ ኣሕሊፋ ከምዘይትህብ ተነጽር።

መራሒ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፣ ብ29 ሕዳር ናብቲ ግጭት ዝተኻየደሉ ከባቢታት ባራካት ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ሰራዊት ሱዳን፣ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ ዞባ ኣል ፋሺጋ ንምቁጽጻር ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ፣ ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣብ ጎኑ ክስለፍ ጸዊዑ’ዩ።

ንኣስታት 25 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ጸኒሑ ንዝተባህለ ከባቢታት ዞባ ኣልፋሺጋ፣ ሰራዊት ሱዳን ነቲ ኣብ ትጋይ ዝተወልዐ ኵናት ከም ጽዑቕ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ፣ ብ 6 ሕዳር 2020 ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ን92% ከምዝተቖጻጸሮ’ዩ ዝገልጽ።

ነቲ ዝተረፈ ክፋል ንምምላስ’ውን ገና ኣብ ተጠንቀቕ ይርከብ።

ስእሊ፦ ኢንተርነት ኣርካይቭስ

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0