ሰራዊት ኡጋንዳ፣ ዕጡቓት ንምህዳን ዶብ ሰጊሩ ናብ ኮንጎ ከምዝኣተወ ተገሊጹ

Radio Erena: 03 November 2021

ኡጋንዳ፣ ኣብ ዞባ ኪቩ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ንምህዳን ምስ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ብሓባር ዝስለፍ ሰራዊት ከምዝልኣኸት መደበር ቴሌቪዥን ፈረንሳ ኣቃሊሓ።

ሰራዊት ኡጋንዳ፣ ነቲ ምስ ኮንጎ ዘዳውብ ከባቢታት ኖብሊ ሰጊሩ ናብ ሰሜናዊ ኪቩ ከምዝኣተወ እታ መደብር ተሌቪዥን ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ሓቢራ።

ኡጋንዳ፣ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ብምስላፍ፣ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር፣ ሰሜን ኪቩ ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ንምጥቃዕ ሰራዊታ ክትልእኽ ምዃና ንኣዋርሕ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይዚ ዓመት’ዚ፣ ላዕለዎት ወትሃደራውያን ኣዘዝቲ ኡጋንዳ፣ ናይ ሓባር መኣዘዚ ነቑጣ ንምቛም፣ ኣብ ዞባ ኪቩ ናብ ዝርከብ ቤኒ ዝተባህለ ቦታ ከምዝበጽሑ መንግስቲ ኮንጎ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ኡጋንዳ፣ ‘እስላማውያን ጥሩፋት’ዮም’ ንእትብሎ፣ ብኪዳን ደሞክራስያውያን ሓይልታት ዝፍለጡ ዕጡቓት ንምድምሳስ ሰራዊታ ናብ ኮንጎ ልኢኻ ዘላ፣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ካምፓላ ዝተኻየደ ሰለስተ መጥቃዕታት እቲ ጉጅለ ከምዝፈጸሞ ኣብ እትወቕሰሉ ዘላ እዋን’ዩ።

ምስ ኡጋንዳ ኣብ ዝዋሰን ዞባታት ሰሜን ኪቩን ኢቱሪን፣ ወትሃደራዊ ምምሕዳር ኣዊጁ ዝርከብ መንግስቲ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ብውገኑ፣ እቶም ዕጡቓት፣ ካብ 2019 ኣትሒዞም ከካይድዎ ብዝጸንሑ መጥቃ ኣማኢት ሰለማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ ይኸስስ።

መበቆሉ ካብ ኡጋንዳ’ዩ ዝብሃል፣ ኪዳን ደሞክራስያውያን ሓይልታት፣ ምስ ኣልቃዒዳ፣ ዳዒሽን ዕጡቓት ጉጅለታት ሶማልን ምትእስሳር ከምዘለዎ መንግስቲ ኡጋንዳ ይጠቕስ።

እቲ ጉጅለ ኣብቲ ዝንቀሳቐሰሉ ከባቢታት ብፍላይ ኣብ ኡጋንዳ፣ ኣኽራሪ እስላማዊ ስርዓት ናይ ምስፍሕፋሕ መደብ ከምዘለው’ውን እቲ መንግስቲ የመልክ።
===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0