ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ኣጽኒዓቶ ዝጸንሐት ማዕቀብ ኣልዒላቶ

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ኣጽኒዓቶ ዝጸንሐት ማዕቀብ ኣልዒላቶ

Radio Erena: 08 October 2017

beshir_happyኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ኣጽኒዓቶ ዝጸንሐት ማዕቀብ ኣልዒላቶ።

እዚ ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሱዳን ተነቢሩ ዝጸንሐ ቁጠባዊ ማዕቀብ ንኽለዓል፣ ሰበስልጣን መንግስቲ ሱዳን ናይ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ድሕሪ ምክያዶም ዝተረኽበ ምዃኑ ተገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ብዓርቢ 6 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣመሪካ ነቲ ቁጠባዊ ማዕቀብ ዘልዓለትሉ ምኽንያት፣ መንግስቲ ሱዳን ተጻብኦታት ኣብ ምውጋድ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ መላእ’ታ ሃገር ከምዝባጻሕ ኣብ ምግባር፣ ከምኡ’ውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ምስ ኣመሪካ ብምትሕብባሩ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ሓያሎ ኣህጉራውያን ትካላትን ሃገራትን ነዚ ናይ ኣመሪካ ውሳኔ ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም ኣለዉ። እንተኾነ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝርከብዎም በርጌሳውያን ማሕበራት፣ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ከመሓይሾ ዝግበኦ ሓያሎ ጉዳያት ስለዘሎ፣ ምልዓል’ቲ ቁጠባዊ ማዕቀብ ንመንግስቲ ሱዳን ከም ምትብባዕ ክውሰድ ስለዝኽእል፣ ኣይእዋኑን እዩ ክብሉ ተቓውሞታቶም የስምዑ ኣለዉ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ኣብ ምኽባር ሃይማኖታውን ካልእ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ንከኽብር ንመንግስቲ ሱዳን ተወሳኺ ጸቕጥታት ክትገብር ምዃና ትሕብር።

እዚ ኣመሪካ ኣልዒላቶ ዘላ ማዕቀብ ኣብ ቁጠባ ጥራይ ክኸውን እንከሎ፣ ሱዳን ካብ ጸሊም መዝገብ ንሽበራውያን ዝሕብሕባ ሃገራት ከምዘይትወጽእ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ’ቶም ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝተኸሰሱ ሰበስልጣን ዘሎ ማዕቀብ ከምዘለዎ ክቕጽል ምዃኑ፣ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ የመልክት።

=========================   

COMMENTS

WORDPRESS: 0