ንገዛእ ውላዳ ዝቐተለት ኤርትራዊት ስደተኛ ኣብ ጀርመን ንሰለስተ ዓመታት ክትእሰር ተፈሪዳ

ንገዛእ ውላዳ ዝቐተለት ኤርትራዊት ስደተኛ ኣብ ጀርመን ንሰለስተ ዓመታት ክትእሰር ተፈሪዳ

Radio Erena: 09 October 2017

German court

ንገዛእ ውላዳ ዝቐተለት ኤርትራዊት ስደተኛ ኣብ ጀርመን፣ ብ5 ጥቅምቲ ንሰለስተ ዓመታት ክትእሰር ተፈሪዳ።

እታ ሮዚና ዝተባህለ ጓል 23 ዓመት መንእሰይ፣ ነቲ ኣብ ጥቅምቲ 2015 ኣብ ገዛ ዝተገላገለቶ ዕሸል፣ ብኡ ንብኡ ኣብ ከባቢ መንበሪኣ ናብ ዝርከብ እንዳጓሓፍ ከምዝደርበየቶ ጸብጻብ ቤት ፍርዲ ካብታ ሃገር ዘመልክት።

እቲ ዕሸል፣ ኣብ እንዳጓሓፍ ተደርብዩ ኣብ 15 ጥቅምቲ’ዩ ብሰራሕተኛታት ጽሬት ከተማ ሞይቱ ተረኺቡ።

ኣብ ጥቅምቲ 13 ወይ 14 ተደርብዩ ክኸውን ከምዝኽእል ግምታቶም ዝሃቡ ሰብ ሞያ ሕክምና ኣብ ውሽጢ 30 ደቃይቕ ብሰንኪ ቀዝሒ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ንቤት ፍርዲ ምስርክርነቶም ኣረጋጊጾም።

እታ መንእሰይ፣ ናብ ስደት እናምርሐት እንከላ፣ ብዘይትፈልጦ ሰብ፣ ኣብ ጉዕዞ ብዘጋጠማ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝጠነሰት ድሕሪ ምሕባር፣ ካብ ማሕበራዊ ጸቕጥን ተነጽሎን ንምህዳም ነቲ ዕሸል ክትድርብዮ ከምዝወሰነት’ዩ ዝግለጽ።

ኣኽባር ሕጊ ጀርመን፣ ነቲ ጉዳይ ድሕሪ ምምርማር፣ ቀዳማይ ብዘይሓገዝ ሰብ ሞያ ኣብ ገዛ ክትሓርስ ምውሳና ካልኣይ ከኣ፣ ሕክምናዊ ረድኤት ከይረኸበ ምድርባያ፣ ብቕትለት ሰብ’ዩ ከሲሱዋ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0