ኣብ በበይኑ ከተማታት ኬንያ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻዪዱ

ኣብ በበይኑ ከተማታት ኬንያ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻዪዱ

Radio Erena: 08 October 2017

kenya_unrestፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ዳግማይ ክካየድ ምድላዋት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ በበይኑ ከተማታት’ታ ሃገር ሰላማዊ ሰልፍታት ይካየድ ከምዘሎ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
ኣብቲ ብዓርቢ ዕለት 6 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ደገፍቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ምስ ፖሊስ ብምግጫዎም ሓያሎ ሰባት ከምዝተጎድኡ ተገሊጹ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፣ ንውጽኢት ምርጫ’ታ ሃገር ድሕሪ ምስራዙ፣ ተቓወምቲ ሰልፍታት ኣባላት ኮሚሽን ምርጫ ክቕየሩ ክጠልቡ ጸኒሖም’ዮም። ነዚ ጠለብ’ዚ ንምስማዕ ኣብ በበይነን ከተማታት ኬንያ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፍታት ንቁጠባ’ታ ሃገር ጎዲኡዎ ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።

ሕጹይ ተወዳዳሪ ራይላ ኦዲንጋ፣ ተመሳሳሊ ሰላማዊ ሰልፊ ንዝመጽእ ሰኑይ፣ ረቡዕን ዓርብን ክካየድ ጸዊዑ’ሎ። ኣብዚ ብዓርቢ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ብፍላይ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ኬንያ ዝርከባ ከተማታት፣ ሰልፈኛታት ናብ ትካላት ንግዲ ብምእታው ንብረት ከዕንዉን ክዝርፉን ኣብ ዝጀመሩሉ እዋን፣ ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን ዘንብዕ ጋዝ ብምጥቃም ክብትንዎም ከምዝኸኣሉ፣ ማዕከናት ዜና የመልክታ።

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ንዕለት 26 ጥቅምቲ ዳግማይ ክካየድ ካብ ዝተወሰነሉ ዕለት ጀሚሩ፣ እታ ሃገር ኣብ ሕንፍሽፍሽን ቁጠባዊ ቅልውላውን ከይትኣቱ ከቢድ ስግኣት ከምዘሎ፣ ተንተንቲ ፖለቲካ’ቲ ከባቢ የተሓሳስቡ።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0