ኢጣልያ ልዕሊ 270 ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 600 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣድሒና

ኢጣልያ ልዕሊ 270 ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 600 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣድሒና

Radio Erena: March 19, 2014

Immi

ዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ኢጣልያ ኣዝዩ ገኒንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ኣስታት 600 ስደተኛታት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከምዘድሓነ ኣፍሊጡ።

እቶም ዜጋታት ኤርትራ፣ ሶርያን ፍልስጤምን ዝርከብዎም 62 ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን 103 ደቂንስትዮን ዘጠቓለሉ ኣስታት 600 ስደተኛታት ኣብ ክልተ ጀላቡ ተጻዒኖም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ እንሳፈፉ’ዮም ብሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ እናተሓገዙ ናብ ገማግም ባሕሪ ተጸጊዒዖም።

 

እቲ ቀዳማይቲ ጃልባ፣ 273 ኤርትራውያን ጽዒና ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ እትዓዘሉ ዝነበረት እዋን፣ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ብነፈርቲ ኣብ ዘካይድዎ ዝነበረ ኮለላ ድሕሪ ምራኣይ’ዩ ወትሃደራዊ መርከብ ብምውፋር ከድሕኖም ከምዝኽኣለ’ዩ ዝጠቕስ።

ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ፣ ድሕሪ’ቲ ልዕሊ 350 ኤርትራውያን ዘህለቐ ናይ ላምፔዱሳ ሓደጋ፣ ብባሕሪ ንዝመጹ ስደተኛታት ንምድሓን ‘ባሕርና’ ዝሰመዮ ስርሒት ምክያድ ካብ ዝጅምር ኣብ ሽዱሽተ ወርሑ 76 ስርሒታት ብምክያድ 1019 ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝርከብዎም 10 134 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣድሒኑ ኣሎ።

ካብዚኦም እቶም ልዕሊ 65 ሚእታዊት ኤርትራውያን ምዃኖም ድማ ይገልጽ።
================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0