መበል 43 ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ኣሎ

መበል 43 ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ኣሎ

Radio Erena: March 19, 2014

Bush

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበረ ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት የካይድ ምህላዉ ተገሊጹ።

መበል 43 ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ጆርጅ ቡሽ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዑደት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ደሳለኝ ሃይለመርያምን ካልኦት ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ክዘራረብ ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ።

ካብ 2001 ክሳብ 2009 ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ጆርጅ ቡሽ ብግሁድ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወገነ’ዩ ክብል መንግስቲ ኤርትራ ደጋጊሙ ከምዝወቐሱ ኣይርሳዕን።

 

ኣባል ሰልፊ ሪፖብሊካን ዝኾነ ፕረዚደንት ነበረ ጆርጅ ቡሽ፣ ስልጣኑ ንኣባል ሰልፊ ደሞክራት መበል 44 ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት እታ ሃገር ባራክ ኦባማ ካብ ዘረከበሉ እዋን ንደሓር፣ ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ከካይድ እዚ ንኻልኣይ ግዜኡ’ዩ።

እቲ ኣብ ኣፍጋኒስታንን ዒራቕን ካልእ ክፍሊ ዓለምን ሓዊ ብምእጓድ ዝተፈልጠ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበረ ጆርጅ ቡሽ፣ ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ዘካይደሉ ዘሎ ምኽንያት ብንጹር ኣይተፈልጠን።
========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0