መንገዲ ኣየር ቱርኪ፣ ኤርትራ ናብ እትርከበን 13 ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ክጅምር ምዃኑ ብወግዒ ኣፍሊጡ

መንገዲ ኣየር ቱርኪ፣ ኤርትራ ናብ እትርከበን 13 ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ክጅምር ምዃኑ ብወግዒ ኣፍሊጡ

Radio Erena: March 19, 2014

turkish

መንገዲ ኣየር ቱርኪ፣ ኤርትራ ናብ እትርከበን 13 ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ክጅምር ምዃኑ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ነዚ ዘረጋገጸ ኣካያዲ ስራሕ እቲ መንገዲ ኣየር ተመል ኮቲል ንማዕከናት ዜና ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንገዲ ኣየር ቱርኪ፣ ኣብ ዓለም እቲ ዝሰፍሐ ዝርግሐ ዘለዎ መንገዲ ኣየር ንምግባሩ ይጽዕሩ ምህላዎም ጠቒሱ።

ከም ሉፍታንዛ ዝኣመሰላ ዓበይቲ መንገዲ ኣየራት ኣተኩሮ ዘይገበራሉ ኣብ ኣፍሪቃኣብ ዝርከባ ንኣሽቱ ከተማታት ከይተረፈ’ውን ናይ መጓዓዝያ በረራታት ንምክያድ ተዳልዩ ከምዘሎ እቲ ኣካይዲ ስራሕ ኣረጋጊጹ።

 

ኣብ ገሊአን ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ መጀመርያ 2014 ኣትሒዙ ስሩዕ በረራታት የካይድ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ኣካያዲ ስራሕ፣ ኣብተን ዝተረፋ ድማ ኣብዚ ቀርባ ክጅምር ምዃኑ ኣረዲኡ።

መንገዲ ኣየር ቱርኪ ብዘይካ ናብ ኤርትራ፣ ናብ ደቡብ ሱዳን ከተማ ጁባን ካልኦት ንኣሽቱ ከተማታት ሃገራት ኣፍሪቃን’ውን በረራታቱ ሰሪዑ ምህላዉ ኣብቲ ብማዕከናት ዜና ቱርኪ ዝቐረበ ጸብጻብ ተገሊጹ ኣሎ።

መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ናብ ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት ድሕሪ ምቑራጹ ካብን ናብን ኣስመራን ሃገራት ኤውሮጳን ዝካየድ ቀጥታዊ በረራታት ደው ኢሉ’ዩ ጸኒሑ።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ በረራታትቱ ደው ድሕሪ ምባሉ፣ እቲ መንገዲ ኣየር ሒዝዎ ዝጸንሐ መስመራት ብመንገዲ ኣየር ሱዳን ከምዝተተክአ’ውን ኣቐዲሙ ተገሊጹ’ዩ።

መንገዲ ኣየር ግብጺን የመንን ከምኡ ድማ ናስ ኣየር’ውን ካብን ናብን ኣስመራን ሒደት ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን በረራታት የካይድ እኳ እንተኾነ፣ ናብ ኤውሮጳ፣ ኣመሪካን ኤስያን ዝካየድ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ግና ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎ’ዩ ዝንገረሉ።
==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0