ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ናይ ሽምግልና ተራ ክትጻወት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ

Radio Erena: 29 September 2019

ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ናይ ሽምግልና ተራ ክትጻወት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ።

ዋና ጸሓፊ’ቲ ውድብ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፣ ምስ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ዝተራኸበሉ፣ ኢትዮጵያ ከምቲ ኣብ ሱዳን ሰላም ኣብ ምምጻእ ዕዉት ሽምግልና ዘካየደት፣ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን እውን ተመሳሳሊ ተራ ክትጻወት እዩ ነዚ ጻውዒት’ዚ ኣቕሪቡ።

ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ብወገና፣ ሃገራ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመትን መንፈቕን፣ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማስያዊን ቁጠባዊን ምዕባለ ዘምጸኣቶ ለውጢ ድሕሪ ምግላጽ፣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ወገናት ደቡብ ሱዳን ምቅርራብን ዕዉት ዘተ ሰላም ክካየድን ድሌት ሃገራ ሙዃኑ ገሊጻ።

ንሳ ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡቲን ዝካየድ ዕርቀ ሰላም እውን ምሉእ ብምሉእ ዕዉት ክኸውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ጻዕርታቱ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጻ።

ኤርትራ ምስ ጂቡቲ ዘለዋ ዶብ ዝመንቀሊኡ ምስሕሓብ፣ ብመንጎኝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘተ ሰላም ዳግማይ ጀሚራ እኳ እንተላ፣ እቲ ዘተ ብምስጢር ተታሒዙ ስለዘሎ፣ ውጽኢቱን በጺሑዎ ዘሎ ደረጃን ንህዝቢ ኣይተሓበረን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0