ንመላእ ኣፍሪቃ ዘጠቓልል ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ንምቛም ዝካየድ መጽናዕቲ 90 ሚእታዊት ተጻፊፉ

Radio Erena: 27 September 2019

ንመላእ ኣፍሪቃ ዘጠቓልል ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ንምቛም ዝካየድ መጽናዕቲ 90 ሚእታዊት ተጻፊፉ ከምዘሎ ተገሊጹ።

እቲ ኣብ 2020 ዓመተ ምህረት ብወግዒ ክጅምር ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ እማመ፣ ካብ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኤርትራ ጥራይ ከምዘይተጸምበረቶ ኣቐዲሙ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ክኢላታት ሕጊን ሰበስልጣን ግብርን ቀረጽን ኣባል ሃገራት ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ካምፓላ ኣብ ዘካየዱዎ ኣኼባ፣ ነቲ ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ ዝጸንሐ ነጥብታት ብምልዓል ዘተ ከምዘካየዱ፣ ካብ ዩጋንዳ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት እየን ስምምዕ ፈሪመን። ኤርትራ ግና ብመትከል ከም እትሰማማዓሉ፣ እንተኾነ ግና ነቲ ምጥርናፍ ክትጽምበሮ ግዜ ከምዘድልያ እያ ገሊጻ ኔራ።

ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ምላሽ ብዘይምርካቦም ኣካየድቲ ዘተ ካምፓላ፣ ኤርትራ ነቲ ዘቕረበቶ ሕቶታት ምላሽ ተዋሂቡዋ ስለዝኾነ ናብዚ ናጻ ናይ ዕዳጋ ዞባ ክትጽምበር ዳግማይ ምሕጽንታ ቀሪቡላ ኣሎ ክብሉ ገሊጾም።

መላእ ኣፍሪቃ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ፣ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ናጻ ምንቅስቓስ ሰብን ንብረትን ዝፈቅድ፣ ብዘይካ ኣብ ዝተወሰነ ንብረት ምኽልካል፣ ኣብ ገለ ኣቑሑ ከኣ ስማዊ ቀረጽ ከምዝኽፈል ብምግባር፣ ቁጠባዊ ምዕባለ ኣፍሪቃ ንምዕዛዝ ዝዓለመ ስምምዕ እዩ።

እዚ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ካምፓላ ዝተዘተየሉ እማመ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2020 ዓመተ ምህረት መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ክፍርሙሉ ትጽቢት ይግበር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0