ኣብ ሊብያ ተቐዪዶም ዝነበሩ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 66 ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ግዒዞም

Radio Erena: 29 September 2019

ኣብ ሊብያ ተቐዪዶም ዝነበሩ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 66 ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ግዒዞም።

እቶም ብ26 መስከረም ናብ ሩዋንዳ ዝገዓዙ ስደተኛታት፣ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሶማልን ሱዳንን ሙዃኖም፣ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ።

እዞም 26 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝርከቡዎም ኣብ ሊብያ ተዳጒኖም ዝነበሩ ስደተኛታት፣ ኣብ መንጎ ተጸዋዒ ስደተኛታት፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ሩዋንዳን ብዝተገብረ ስምምዕ እዮም ዝግዕዙ ዘለዉ።

ወኪል ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር. ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ን500 ሰባት ዘአንግድ መዓስከር ስደተኛታት ተዳልዩ ከምዘሎ፣ ኣገልግሎታት ሕክምና ቅሩብ ምህላዉን ድሕሪ ምግላጽ፣ እዞም 66 ስደተኛታት ናይ ፈለማ እብረ ሙዃኖም ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ሊብያ ተጸዋዒ ስደተኛታት ዝመዝገቦም ልዕሊ 3 ሽሕ ስደተኛታት እኳ እንተለዉ፣ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ዘስካክሕ ኩነታት ተቐዪዶም ዘለዉ ግና ልዕሊ 5 ሽሕ ከምዝኾነ ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0