ኢትዮጵያ፣ ኣብ ወደብ በርበራ ዝነበራ 19% ብርኪ ከሲራቶ

Radio Erena: 12 June 2022

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ወደብ በርበራ ዝነበራ ናይ 19% ብርኪ ከምዝኸሰረቶ፣ መንግስቲ ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ወደብ በርበራ ዝነበራ ናይ ብርኪ ዋንነት ክትከስሮ ዝኸኣለት፣ ወግዓዎ ውዕል ንምፍጻም ዝተዋህባ ናይ ግዜ ገደብ ስለዝሓለፈ ምዃኑ፣ ንሚኒስተር ፋይናንስ ሰይድ ዓሊ ሺረ ብምጥቃስ፣ ዘ ኢስት ኣፍሪካን ኣቃሊሑ።

ሓደ ካብቲ ኣብ ግዜኡ ክፍጸም ዝነበሮ ውዕል፣ ነቲ ወደብ ንምህናጽ፣ ኢትዮጵያ ዝተሓተተቶ ኣጃም ኣብ ግዜኡ ክትከፍል ዘይምኽኣሉ ምዃኑ እቲ ሚኒስተር ኣስሚርሉ።

ኣብ 2017 ኣብ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ 51% ወደብ ባርባራ፣ ብኩባንያ DP World ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ 30% ብመንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ እቲ 19% ድማ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብብርኪ ክውነን ዝብል’ዩ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ኣገልግሎት ወደብ፣ ምርጋፍን ምጽዓንን ኮንተይነርን ካልእ መሳለጥያታትን ብምትኳር ህንጻዊ ስርሓት ከተተግብር፣ ኢትዮጵያ ድማ ብዘይካ’ቲ ዝኽፈል እጃም፣ ክሳብ ዶብ ሶማሊላንድ ዝርጋሕ፣ ኣስታት 260 ኪሎሜተር ጽርግያ ክትሃንጽ ዝብል ነጥብታት ኣካል እቲ ስምምዕ’ዩ ኔሩ።

እቲ ስምምዕ፣ ንሉኣልውነትን ሓድነት ሶማል ዝግህስ’ዩ ብምባል፣ ፈደራላዊ መንስግቲ ሶማል ኣብቲ እዋን’ቲ ተቓዊምዎ’ዩ።

ድሒሩ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ኢትዮጵያ ዝነተጎ ግጭታት፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ተጸሚዱ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንወልሓደ ካብቲ ዝተጠቕሰ ነጥብታት ከማላእ ከምዘይክኣለ ‘ዩ ብወገን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝግለጽ ዘሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ዚ ብወገን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝተዋህበ መግለጺ፣ ወግዓዊ መልሲ ክህበሉ ትጽቢት ይግበር።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0