ምምሕዳር ባይደን፣ ናብ ኤርትራ፣ ኣምባሳደር ናይ ምምዳብ ውጥን ከምዘይብሉ ተገሊጹ

Radio Erena: 13 June 2022

ኣመሪካ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን 15 ሃገራት ኣፍሪቃ ሰብ ምሉእ ስልጣን ኣምባሳደራት ከይመደበትሉ ‘ያ ጸኒሓ።

ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ወይ ዋይት ሃውስ፣ ካብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ኣትሒዙ፣ ናብ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣምባሳደራት ክኾኑ ዝረቑሖም ዲፕሎማሰኛታት፣ ናብ ባይቶ ሰነት ኣቕሪቡ ኣሎ።

እቲ ቤት መንግስቲ፣ ሰብ ምሉእ ስልጣን ኣምባሳደራት ዘይረቑሓለን ትሽዓተ ሃገራት፣- ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ዚምባብወ፣ ኒጀር፣ ርዋንዳ፣ ጋቦን፣ ሲሸልስ፣ ሞውሪሸስን ናሚብያን ተሪፈን።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፣ ብዘይካ ናብ ኤርትራ ናብተን ካልኦት፣ በብግዜኡ ኣምባሳደራት ናይ ምምዳብ ተኽእሎ ከምዘለዎ ተንተንቲ የመልክቱ።

ኣመሪካ፣ ካብ 2010 ኣትሒዛ፣ ነዚ ዝሓለፈ 12 ዓመታት፣ ኣብ ኤርትራ በዓል ምሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኣይጸንሓን።

ምምሕዳር ባይደን እንተኾነ’ውን ናብ ኤርትራ ኣምባሳደር ናይ ምምዳብ ውጥን ከምዘይብሉ ዲፕሎማሰኛታት እታ ሃገር ይእንፍቱ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲኣ፣ ነዚ ዝሓለፈ 12 ዓመታት፣ ብፈጻሚ ጉዳያት ወይ Chargé d’Affaires ‘ያ ትመርሖ።

ካብ 2019 ኣትሒዙ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ዘሎ፣ ስቴቨን ዎከር’ዩ።

ስቴቬን ዎከር፣ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣመሪካውያንን ካልኦት ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ናይ ወጻኢ ሃገራት ዲፕሎማሰኛታትን ፍልይ ዘብሎ፣ ኣብ ኤርትራ ኣሎ ንዝብሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይኹን ካልእ ምስ ኣመሪካ ዘየቃዱ ነጥብታት፣ ብግሁድ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ብፍላይ ኣብ ፌይስቡክ ዝጽሕፍ ምዃኑ’ዩ።

ንሱ፣ ኣብ 11 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኤሪሳት’ውን፣ ኣብ ኣስመራ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ተሳቲፉ፣ ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ኣነጺሩን ዘለዎ ሓሳባትን ርእይቶታትን ኣካፊሉ’ዩ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0