ልዕሊ 15 ሽሕ ኣባጊዕ ጽዒና ካብ ሱዳን ዝተበገሰት መርከብ ጥሒላ

Radio Erena: 12 June 2022

15,800 ኣባጊዕ ጽዒና ካብ ሱዳን ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝተበገሰት መርከብ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጥሒላ።

እታ ‘ባድር- 1’ ዝተሰምየት መርከብ፣ ሎሚ ሰንበት 12 ሰነ፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ፣ ኣብ ወደብ ስዋኪን ከምዝጠሓለተ ሰበ ስልጣን ወደብ እታ ሃገር ኣረጋጊጾም።

ብምሉኦም ሰራሕተኛታት ብህይወት ክድሕኑ ከምዝኸኣሉ ተፋሊጡ።።

እታ መረከብ፣ 9 ሽሕ ዝግመታ ኣባጊዕ ናይ ምጽዓን ዓቕሚ ከምዝነበራ’ዩ ተመልኪቱ።

ጠንቂ ምጥሓላ፣ ካብ ክትስከሞ እትኽእል ክብደት ብክልተ ዕጽፊ ዝዛየደ ብዝሒ ኣባጊዕ ምጽዓና ክኸውን ከምዝኽእል ተገሚቱ ኣሎ።

ኣብ ጥንታዊት ወደብ ስዋኪን፣ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ኣብ ንብረት ከቢድ ዕንወት ዘውረደ ባርዕ ከምዝተኸስተ ይዝከር።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0