ኡጋንዳ፣ ካብ ብሪጣንያ ናጻ ዝወጸትሉ መበል 59 ዓመት ትጽንብል ኣላ

Radio Erena: 13 October 2021

ኡጋንዳ፣ መበል 59 ዓመት መዓልቲ ናጽነታ ጸንቢላ።

ብ9 ጥቅምቲ መበል 59 ዓመት መዓልቲ ናጽነታ ዝጸንበለት ኡጋንዳ፣ እቲ 35 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ሓደ መራሒ’ያ ኣሕሊፋቶ።

ካብ 1986 ኣትሒዙ ንኡጋንዳ ዝመርሕ ዘሎ፣ ወዲ 77 ዓመት ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ፣ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ከምዝተዓወተ ብምግላጽ’ዩ፣ ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝቕጽል ዘሎ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ንቦኽሪ ወዱ ሜጀር ጀነራል ሙሆዚ ካይነሩጋባ፣ ኣብ ሓለዋ ፕረዚደንት፣ ቤት መንግስትን ኣገደስቲ ትካላት መንግስን ናይ ዝዋፈሩ ተወርዋሪ እዚ ወይ ፍሉይ ሓይልታት ኣዛዚ ክኸውን ረቑሑዎ ይርከብ።

ወዲ 49 ዓመት ጀነራል ሙሆዚ፣ ድሕሪ ምእላይ ወይ ሞት ኣብኡ፣ ስልጣን ክርከብ ዝልዓለ ተኽእሎ ከምዘሎ ንኩነታት ኡጋንዳ ብቀረባ ዝከታተሉ ተንተንቲ ይእምቱ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0