ኤርትራዊት ፈረንሳዊት መቕደስ ወልዱ “ናይ ወርሒ መስከረም ብልጽቲ ኣትሌት ፈረንሳ” ኮይና

Radio Erena: 13 October 2021

ኤርትራዊት-ፈረንሳዊት መቕደስ ወልዱ፣ ናይ ወርሒ መስከረም ብልጽቲ ኣትሌት ፈረንሳ ኮይና ተመሪጻ።

ኣትሌት መቕደስ ወልዱ፣ ብ29 ከምኡ ድማ 4 መስከረም፣ ኣብ ናይ ትራንክን ናይ ጎልጎልን ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ጉያ እግሪ፣ ኣብ ክልቲኡ ቀዳመይቲ ብምውጻእ ሻምፕዮን ፈረንሳ ኮይና’ያ።

ብድሕሪኡ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ ፍርቂ ማራቶን’ውን መቕደስ፣ ቀዳመይቲ ብምውጻእ፣ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሰለስቲኡ ዓውድታት ቅድድም ሻምፕዮን ፈረንሳ ንምዃን ዝበቕዐት እንኮ ኣትሌት ኮይና ታሪኽ ሰኒዳ።

እዛ ኣብ ታሪኽ ፈረንሳ፣ ፍሉይ ታሪኽ ሰኒዳ ዘላ ኣትለት፣ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2021’ያ ዜግነት ፈረንሳ ወሲዳ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0