ወኪል ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት (IOM) ኣብ ኢትዮጵያ፣ ‘ብዛዕባ ትግራይ ብዝተኣሳሰር ብዝሃበቶ ቃለ መጠይቕ’ ካብ መዝነታ ተኣልያ

Radio Erena: 13 October 2021

ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተመዲባ ንዝነበረት ሓላፊት ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት (IOM) ፣ ‘ዘይተፈቕደላ ቃለ መጠይቕ ኣካይዳ’ ብዝብል ካብ መዝነታ ከምዝሰጎጓ፣ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

እታ ሞሪን ኣሸንግ ዝተባህለት ሓላፊት IOMኣብ ኢትዮጵያ፣ ብሰኑይ 11 ጥቅምቲ ካብ መዝነታ ከምዝተሰጎገት ዘረጋገጽ ሰነድ ኣብ ኢዱ ከምዝበጽሐ ዝሓበረ እቲ ኣገልግሎት ዜና፣ ነቲ ድሮ’ውን ናብ ትግራይ ረድኤት ምብጻሕ ኣጸጋሚ ኮይኑ ዘሎ ኩነታት ዘጋድድ ቃለ መጠይቕ ኣካይዳ ክብል ሕቡራት ሃገራት ከምዝነቐፋ ጠቒሱ።

ንሳ፣ ምስ ሓይልታታት ትግራይ ዘይወገኑ ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራት፣ ክንጸሉ ከምዝጸንሑ’ያ ኣብቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝድግፍ ማዕከን ዜና ዘካየደቶ ቃለ መጠይቕ ገሊጻ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያቱ ጣልቃ ኣትዮም ንዝበሎም፣ ሸውዓተ ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሰጎገ ዝዝከር’ዩ።

ምስጓግ እዞም ኣካላት ሕቡራት ሃገራት፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ኣህጉራዊ ጸቕጢ ኣስዒቡሉ ይርከብ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0