ንኤርትራ ጥራይ ዘዋሰነ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝርከባ ሃገራት ዝሓቖፈ ወተሃደራዊ ልምምድ ተኻዪዱ

Radio Erena: 27 September 2019

ንኤርትራ ጥራይ ዘዋሰነ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝርከባ ሃገራት ዝሓቖፈ ወተሃደራዊ ልምምድ ተኻዪዱ።

እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝተዳለወ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ወተሃደራዊ ልምምድ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝተኻየደ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

እቲ ‘ሬድ ዌቭ 2’ (Red Wave 2) ዝተሰምየ ልምምድ ባሕሪያ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ዮርዳኖስ፣ ግብጺ፣ ሱዳን፣ ጂቡቲ፣ የመንን ሶማልን ክሳተፍኦ እንከለዋ፣ ቀንዲ ዕላምኡ ከኣ ውሕስነት ቀይሕ ባሕሪ ንምርግጋጽን ማያዊ ዶባት ንምሕላውን ከምዝኾነ፣ ኮማንደር ባሕሪያ ስዑዲ ዓረብ ምኽትል ኣድሚራል ሳቕር ቢን መሓመድ ኣል-ሓርቢ ገሊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ እቲ ወተሃደራዊ ልምምድ፣ ተመኩሮ ኣብ ምልውዋጥን ኣብ መንጎ’ተን ሃገራት ምምዕርራይ ሓይሊ ባሕሪ ንምግባርን ሓጋዚ ሙዃኑ ገሊጹ።

እዚ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ትካላት ነዳዲኣ ንዝተኻየደ ደብዳብ ንኢራን ኣብ እትወቕሰሉ ዘላ እዋንን ሓድሽ ወጥሪ ኣብቲ ዞባ ተፈጢሩ ኣብ ዘለወሉ እዋንን ምዃኑ ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0