ሱዳን ምስ ሊብያን ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፖብሊክን ዘለዋ ዶብ ዓጽያ

Radio Erena: 27 September 2019

ሱዳን ምስ ሊብያን ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፖብሊክን ዘለዋ ዶብ

ሰበስልጣን ሓድሽ መንግስቲ ሱዳን ትማሊ 26 መስከረም ኣብ ዳርፉር ምስ ሓለፍቲ’ቲ ዞባ ድሕሪ ዘካየዱዎ ኣኼባ፣ ሱዳን ነቲ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘራኽባ ምዕራባዊ ዶባ ክዕጾ ከምዝወሰኑ ተገሊጹ።

ቀንዲ ምኽኒያት ምዕጻው’ዚ ዶባት፣ ንጸጥታዊን ቁጠባዊን ውሕስነት ሙዃኑ መንግስቲ’ታ ሃገር ገሊጹ።

ሓያሎ ብረታዊ ቃልሲ ኣንጻር ማእከላይ መንግስቲ ሱዳን ዘካዪዱ ተቓወምቲ ውድባት፣ ናብ ሊብያን ማእከላይ ኣፍሪቃን ብምስጋር፣ ናይ ኣጽዋርን ታዕሊምን ሓገዝ ክረኽቡ ከምዝጸንሑ እዩ ዝፍለጥ።

ኣብ 2003 ብፕረዚደንት ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ዝተመወለ ምልሻ ኣብ ዞባ ዳርፉር ምጽናት ዓሌት ዝተሰምየ ህልቂት ኣሽሓት ሰባት ድሕሪ ምስዓቡ፣ ሓያሎ ተወላዶ ዳርፉር ናብ ጎረቤት ሃገር ሊብያ ብምስጋር መከላኸሊ ዝኾኖም ብረት ኣብ ምግዛእን ምስግጋርን ከምዝተዋፈሩ እዩ ዝግለጽ።

እዚ ውሳኔ ምዕጻው ዶባት ምስ ሊብያን ማእላይ ኣፍሪቃ ሪፖብሊክን ንክንደይ እዋን ክጸንሕ’ዩ ዝተዋህበ ዝኾነ መብርሂ የለን።

ከምዝፍለጥ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሓድሽ መንግስቲ ሱዳን፣ መራሒ ምልሻ ጃንጃዊድ እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0