ብህድማ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ዝሰክሐት ኤርትራ፣ ኣብ ደንማርክ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጥማት ዳና ካፕ፣ ኣብ ሽወደን ብዝርከቡ ቆልዑ ትሳተፍ ኣላ

ብህድማ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ዝሰክሐት ኤርትራ፣ ኣብ ደንማርክ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጥማት ዳና ካፕ፣ ኣብ ሽወደን ብዝርከቡ ቆልዑ ትሳተፍ ኣላ

Radio Erena: 25 July, 2014

Dan Cup

ብህድማ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ፣ ዝሰክሐ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ደንማርክ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጥማት ዳና ካፕ ናይ ክሊ ዕድመ 12ን 13 ዓመት ትሕቲ ዕደመ ቆልዑ፣ ካብ ሽወደን ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ቆልዑ ሓንቲ ጋንታ ብምውጻእ ይሳተፍ ኣሎ።

እቶም ኣብ ስካንዲናቭያ ዝውቱር ዝኾነ ግጥማት ዳና ካፕ ናይ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ንኤርትራ ወኪሎም ዝሳተፉ ዘለዉ ኣብ ሽወደን ዝምቕማጦም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፣ ናይ መብዛሕቶም ስድራቤታት ናይ ሽወደንን ኤርትራን ድርብ ዜግነት ዝሓዙ’ዮም።

ከምዚ ዝኣመሰለ ዕድላት፣ ኣብ ኤርትራ ንዝቕመጡን ሓንቲ ዜግነት ንሳ ድማ ኤርትራውያንት ጥራይ ዘላቶም ቆልዑ ክወሃብ ዝግብኦ ክነሱ፣ ብሰንኪ ህድማን ሕጽረት ባጀትን ተመኻንዩ፣ ካብ ኤርትራ ዝተላእከት ናይ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ የላን።

 

ኣብዚ ካብ 21 ክሳብ 26 ሓምለ ዝካየድ ዘሎ ናይዚ ዓመት’ዚ ግጥማት ዳና ካፕ፣ እታ ካብ ሽወደን ብዝብተዋጽኡ ቆልዑ ዝተወከለት ኤርትራ እትርከበን 46 ሃገራትን ልዕሊ ሓደ ሽሕ ጋንታታትን ይሳተፋ ኣለዋ።

ሓንቲ ሃገር ክንዲ ዘለዋ ብቕዓትንት ዓቕምን በብዝተፈላለየ ዕድመ ኣብዚ ናይ ዳና ካፕ ግጥማት ብዝሒ ጋንታታ ከተሳትፍ ከምእትኽእል ይፍለጥ።

ኤርትራ ካብ 1994 ኣትሒዛ ኣብዚ ናይ ዳና ካፕን ግጥማት ስካንዲኒቭያን ክትወዳደር ከምዝጀመረት ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብቲ ግጥም ዝሳተፋ ዝነበራ ናይ ኤርትራ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ጋንታታት ዝንኣድ ውጺእት የመዝግባ ምንባረን ኣይርሳዕን።

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ እናንቖልቖለ ዝመጽእ ዘሎ ብቕዓት ኩዕሶ እግሪ፣ ኣብ ደረጃ ፊፋ ካብ 209 ሃገራት ኣብ መበል 202 ተሰሪዓ ትርከብ።
==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0