ጃፓን ናብ ጅቡቲ ኣሃዱ ስለያ ከተዋፍር’ያ

ጃፓን ናብ ጅቡቲ ኣሃዱ ስለያ ከተዋፍር’ያ

Radio Erena: 28 July, 2018

Dj Japa

ጃፓና፣ ውሕስነት ናይተን ካብን ናብን ኤውሮጳ ዝመላለሳ ንግዳውያን መራኽባ ንምውሓስ ዝዓለመ፣ ሓድሽ ናይ ጸጥታ ኣሃዱ ኣብ ጅቡቲ ከተዋፍር’ያ።

እታ ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ኤስያ እትርከብ፣ ንንግዲ ዓለም ዓብሊለን ካብ ዝርከባ ሃገራት ዓለም ሓንቲ ዝኾነት ጃፓን፣ ኣቐዲማ ንግዳዊ መራኽባ ካብ ሸፋቱ ባሕሪ ንምክልኻል ሓደ ኣሃዱ ፍሉይ ስርሒታት ኣብ ጅቡቲ ኣዋፊራ እኳ እንተላ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምንቕስቓስ ሽበራ ገኒኑ ኣሎ ኣብ ዝብሃለሉ ዘሎ ግ ድማ ተወሳኺ ኣሃዱ ስለያ ከተዋፍር ከምዝተገደደት’ያ ትገልጽ።

 

ነቲ ዕማም ንምስላጥ ድማ ምስታ ኣብ ጅቡቲ ገዚፍ ወትሃደራዊ ሓይሊ ዘለዋ መሓዝኣ ዝኾነት ኣመሪካ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሐን ከምዘለዋ ጋዜጣ ጃፓን ታይምስ የመልክት።

ኣብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ንእሽቶ ሃገር ጅቡቲ፣ ሳላ’ቲ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዘለዋ ጥቡቕ ዝምድና፣ ወደባታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከብ ወደባት ዝልዓለ ወትሃደራውን ሲቪላውን ኣገልግሎት ካብ ዝህብ ኮይኑ ኣሎ።

በንጻሩ እቲ ኣህጉራዊ ተንጽሎ ኣጋጢምዎ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ ብሰንኪ ዝኽተሎ ዘሎ ዘይተቓዳዊ ፖሊሲ፣ ጎረቤት ወደብ ጅቡቲ ዝኾነ ወደብ ዓሰብ ካብ ስራሕ ወጻኢ ጌሩ ኣዳኺምዎ ይርከብ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0