ኤርትራ ኣብ ዘይትዓደመቶ ዋዕላ ኣመሪካን ሃገራት ኣፍሪቃን፣ ሓደ ቢልዮን ዶላር ንዝተፈላለየ ስምምዓት ቀሪቡ ኣሎ

ኤርትራ ኣብ ዘይትዓደመቶ ዋዕላ ኣመሪካን ሃገራት ኣፍሪቃን፣ ሓደ ቢልዮን ዶላር ንዝተፈላለየ ስምምዓት ቀሪቡ ኣሎ

Radio Erena: 25 July, 2014

Afr  US

ኣመሪካ፣ ኣብቲ 5ን 6ን ነሓሰ ኣብ ዋሽንግተን ዝካየድ ዋዕላ ኣመሪካን ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ንዝተፈላለየ ስምምዓት ዝውዕል ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ባጀት ሰሊዓ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

ነዚ ዘፍለጠ ሚኒስተር ንግዲ ኣመሪካ ፔኒ ፕሪዝከር፣ እቲ ውዕላት ኣብ ምንታይ ዘተኮረ ከምዝኾነ ኣብቲ ዕለት እቲ ብወግዒ ክግለጽ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ኣብዚ ብፕረዚደት ባራክ ኦባማ ዝተጸውዐ ኣብ ታሪክ እታ ሃገር ናይ መጀመርያ ዝኾነ ዋዕላ ኣመሪካን ሃገራት ኣፍሪቃን ብዘይካ’ቶም ተዓዲሞም ዘለዉ ልዕሊ 40 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ልዕሊ 200 ኣውፈርቲ ኩባንያታት ኣመሪካን ኣፍሪቃን’ውን ክሳተፉ’ዮም።

 

እዚ ታሪኻዊ ዋዕላ’ዚ ቀንዲ ዕላምኡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሃገራት ኣፍሪቃን ንዘሎ ቁጠባዊ ምዕባለታት፣ ጸጥታን ምሕደራ መንግስትን ዘተኮረ’ዩ።

ፕረዚደንት ኦባማ ዳርጋ ንብሙሉኦም መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ወግዓዊ ዕድመ ክልእከሎም እንክሎ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንዝርከቦም ሰለስተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ግና ካብዚ ዋዕላ’ዚ ክንጽሎም ወሲኑ ኣሎ።

ኣብዚ ዋዕላ’ዚ ንምስታፍ ዕድመ ዝተሓረመን ኤርትራ፣ ሱዳንን ዚምባብዌን፣ እተን ብሃገራት ምዕራብ እገዳ ዝተገብረለን ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ’የን።

ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተነብረ ናይ ሱዳንን ዚምባብዌን እገዳ ክቓወሞ እንከሎ፣ በንጻሩ ኤርትራ ብባይቶ ጸጥታ እገዳ ንኽግበረላ ብዝልዓለ ከምዝተዋስአ’ዩ ዝንግረሉ።

=========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0