ባይቶ ጸጥታ፤ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ናይ የመን፣ ተወሳኺ ማዕቀብ ኣንቢሩ

Radio Erena: 03 March 2022
ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሑቲ ናይ የመን፣ ተወሳኺ ማዕቀብ ገይሩ።
እቲ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝቐረበ እማመ፣ 11 ኣባል ሃገራት ባይቶ ጸጥታ ደገፈን ክህባሉ እንከለዋ፣ ኣርባዕተ ከኣ ድምጺ ካብ ምሃብ ተቖጢበን።
እዚ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ካብ ምዕዳግ እውን ዝእግድ ማዕቀብ’ዚ፣ ድሕሪ’ቲ ሑቲ ኣብ ልዕሊ መዓርፎ ነፈርቲ ስዑዲ ዓረብ፣ ዝገበሮ ደብዳብ እዩ ዝመጽእ ዘሎ።
መራሒ ናይቲ ዕጡቕ ሓይሊ መሓመድ ዓሊ ኣል-ሑቲ፣ ባይቶ ጸጥታ፣ ነቲ ስዑዲ ዓረብን መሻርኽታን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ የመን ተውርዶ ዘላ ግፍዒ ዕሽሽ ኢሉ፣ ምስኣ ምውጋኑ ዘጉህይ እዩ ኢሉ።
ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ካብ 2015 ኣትሒዙ ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ብመንገዲ ኤርትራ ኣቢሉ ካብ ኢራን ኣጽዋር ይረክብ ኣሎ ዝብል ክስታት ይቐርበሉ ኔሩ’ዩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0