ሶማል፣ ዜጋታታ ካብ ዩክረይን ከተውጽእ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ተሰማሚዓ

Radio Erena: 03 March 2022

ሶማል፣ ኣብ ዩክረይን ዝርከቡ ዜጋታታ ብሰላም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝሰግሩሉ ባይታ ከምዘጣጠሐት ገሊጻ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ዛጊት ሃንጋሪ፣ ሞልዶቫ፣ ፖላንድን ሩማንያን ንዜጋታት ሶማል ክቕበላ ከምዝተሰማመዓ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ህይወቶም ንምድሓን ካብ ዩክረይን ክወጹ ኣብ ዝፍትኑሉ እዋን ዘጋጥሞም ዓሌታዊ ኣድልዎ ደው ክብል ጻውዒት ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብታ ሃገር ዝጸንሑ ዜጋታት ወጻኢ፣ ብመንገዲ ኤምባሲታቶም ሓገዝ ረኺቦም ናብ ውሑስ ቦታ ይሰግሩ ከምዘለዉ ይፍለጥ።
ንዩክረይን ዘዳውባ ሃገራት፣ ካብቲ ኲናት ንዘምልጡ፣ ዓሌቶምን ዜግነቶምን ብዘየገድስ፣ ንኩሉ ክፉት ክገብራን ክተሓባበራን፣ ካብ ሓያሎ ወገናት ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ።
ሰራዊትን ዩክረይን፣ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኣፍሪቃ ብዘርእይዎ ዘለዉ ኣድልዎ፣ ነቶም ኣፍሪቃውያን ዶብ ከይሰግሩ ምኽልካል ጥራይ ዘይኮነ፣ መጎዓዝያ ኣብ ምጥቃም እውን ድሕሪ ኩሉ ከምዝሰርዑዎም፣ ካብታ ሃገር ናብ ማሕበራዊ መዲያታት ዝዝርጋሕ ዘሎ መረረ’ቶም ኣፍሪቃውያን የመልክት።
ዝበዝሑ ኣብ ዩክረይን ዘለዉ ኣፍሪቃውያን፣ ዜጋታት ኬንያ፣ ናይጀሪያ፣ ጋና፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ደቡብ ኣፍሪቃን ኮይኖም፣ ሓያሎ ካብኣቶም ንማህደረ ትምህርቲ ዝኸዱ ምዃኖም ይንገር።
ኣብ ዩክረይን ብዛዕባ ዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራ ብዝምልከት፣ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዛጊት ወግዓዊ መግለጺ ኣይተዋህበን።
===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0