ኤርትራ ምስ 5 ሃገራት ብምዃን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደጊፋ

Radio Erena: 03 March 2022

ኤርትራ ምስ 5 ሃገራት ብምዃን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደጊፋ
ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሩስያ፣ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ተካዪዶ ዘላ ኲናት ደው ከተብልን ሰራዊታ ክትስሕብን ዝጽውዕ ብይን ኣሕሊፉ።
ነቲ ብይን ንምሕላፍ ኣብ ዝተገብረ ናይ ድምጺ ምሃብ መስርሕ፣ 141 ነቲ ብይን ክድግፋ እንከለዋ 35 ድምጺ ምዕቃብ ገረን 5 ሃገራት ድማ ተቓዊመንኦ።
ካብተን 5 ነቲ ብይን ብምቅዋም፣ ንኲናት ዝደገፋ ኤርትራ፣ ሩስያ ሰሜን ኮርያ፣ ቤላሩስን ሶርያን እየን።
ብካልእ ወገን፣ ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብዝምልከት ዘተ ክካየድ ኣብ ዝጠለበ ምእካብ ድምጺ ኣባል ሃገራት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኤርትራ ከምዘይትድግፎ ኣፍሊጣ።
እቲ ንሓሙስ 3 መጋቢት ክካየድ ዝተጠልበ ፍሉይ ኣኼባ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳን ዝርከበአን 29 ሃገራት እወ ከድምጻ እንከለዋ፣ ሓሙሽተ ሃገራት፣ ማለት ሩስያ፣ ቻይና፣ ኩባ፣ ኤርትራን ቨንዙወላን ከኣ ኣይፋል ኣድሚጸን።
እቲ ብዩክረይን ዝተጸወዐ ዋዕላ፣ ካብ 2014 ሩስያ ንከምያ ዝወረረትሉ ግዜ ጀሚሩ ዝተፈጸመ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት መርመራ ክካየደሉ ዝጠልብ እማመ ይርከቦ።
መንግስቲ ኤርትራ ብዝኽተሎ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ፣ ነታ ሃገር ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ነጺሉዋ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ ሃገራት ዓለም መርገጺአን ብንጹር ከፍልጣ ዝሕተታሉ ዘለዋ እዋን፣ እቲ መንግስቲ ኣንጻር ሃገራት ምዕራብ ደው ምባሉ፣ ነታ ሃገር ሳዕቤናት ከኸትለላ ከምዝኽእል ይግመት።
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ምግሃስ መሰላት ክዝተየሉ ዝጠለበ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ፣ 13 ሃገራት ዝበዝሓ ካብአን ኣፍሪቃውያን፣ ድምጸን ካብ ምሃብ ተቖጢበን ኣለዋ።
ኣቐድም ኣቢሉ ብዕለት 26 ለካቲት፣ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ውሳኔ ከየሕልፍ፣ ቻይና፣ ህንድን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ተቓውመንኦ እየን። ብተወሳኺ ሩስያ ንገዛእ ርእሳ ሓንቲ ካብተን ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ብምዃና፣ ነቲ ውሳኔ ደው ከምዝብል ገይራቶ እያ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0