ቀ.ሚ. ሃይለማርያን ደሳለኝ ኣቦ ወንበር ኢህወደግ ኮይኑ

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኢህወደግ፣ ሓድሽ ኣቦ ወንበር መሪጹ።
ሚኒስተር መራኸቢታት ኢትዮጵያ ኣቶ በረኸት ስምኦን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ሰልፊ ኢህወደግ ሓድሽ ኣቦ ወንበር ንምምራጽ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ተኪኡ ዘሎ ኣቶ ሃይለማርያን ደሳለኝ፣ ብምሉእ ድምጺ ከምዝመረጾ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ንኢትዮጵያ ዘመሓድር ዘሎ ወዲ 47 ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ናይ ኢህወደግ ኣቦ ወንበር እንተኾይኑ፣ ብቐጥታ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ጽፍሒ ከምዝሕዝ፣ ሚኒስተር በረኸት ስምኦን ንሕጊ’ታ ሃገር ብምጥቃስ ኣብሪሁ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ኣብ ዝቕጽል ሳምንታት ቃለ መሓላ ብምፍጻም፣ ኣብ 2015 ሓድሽ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ነታ ሃገር ከመሓድር ምዃኑ ይግለጽ።
ሰልፊ ኢህወደግ ካብ 547 ወናብር ባይቶ’ታ ሃገር 545 ከምዝውንን ይፍለጥ። ብተወሳኺ ሚኒስተር ትምህርቲ ደመቀ መኮንን’ውን ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ከምዝተመርጸ፣ ካብ ኢትዮጵያ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ንዕላማታትን ራእይን ኣቶ መለስ ዜናዊ ብፍላይ ኣብ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ምሉእ ብምሉእ ከተግብር ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ብሰበስልጣን’ታ ሃገር ከምዝእመነሉ፣ ተንተንቲ ፖለቲካ የመልክቱ።
ኣብዚ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብ ወሳኒ መድረኽ በጺሑሉ ዘሎ እዋን፣ ምስግጋር ስልጣን ብስልጡንን ሰላማዊን መንገዲ ክፍጸም ካብ ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ዓለም ልዑል ትጽቢት ከምዘሎ ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0