ኣንሳር ቡርኒ፣ ደሃይ’ቶም ኣብ ኤርትራ ከምዝተሰወሩ ዝንገረሎም 8 ፓኪስታናውያን ንምርካብ ይሕልን

ህቡብ ፓኪስታናዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣንሳር ቡርኒ፣ ደሃይ’ቶም ኣብ ኤርትራ ከምዝተሰወሩ ዝንገረሎም 8 ፓኪስታናውያን ንምርካብ፣ ናብ ኤርትራ ክጎዓዝ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ኣብ 1993 ብኢትዮጵያ፣ ጂቡቲ ኣቢሎም ናብ ኤርትራ ምስኣተዉ ዝተሰወሩ ሸሞንተ ፓኪስታናውያን፣ ዕላምኦም ሃይማኖት ምስልምና ንምስባኽ ከምዝነበረ ይንገር።
ጋልፍ ቱደይ ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ፣ ኣንሳር ቡርኒ፣ ኣብ ዱባይ ምስ ዝተፈላለዩ ዲፕሎማሰኛታትን ፖለቲከኛታትን ርክብ ከካይድ ከምዝቐነየን፣ ናብ ኤርትራ ንምእታው ቪዛ ሓቲቱ ከምዘሎን ኣፍሊጡ።
እቲ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ንዓመታት ዝማሰኑ ፓኪስታናውያን ናጻ ወጺኦም ናብ ዓዶም ክመልሶም ድልዱል እምንቶ ከምዘለዎ ሓቢሩ።
ንሱ ብተወሳኺ፣ እቶም ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ መስጊድ ኻልድ ቢን ዋሊድ እንከለዉ ዝተቐየዱ ዜጋታት ፓኪስታን ከምዝሞቱ ብተደጋጋሚ ክግለጽ’ኳ እንተጸንሐ፣ ኣብ ኣስመራ ዝነበራ ዘይመንግስታዊያን ትካላት ናብ ስድራቤት’ቶም ግዳያት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፋን፣ እቶም ሸሞንተ ፓኪስታናውያን ከኣ ገና ኣብ ቤትማእሰርቲ ብህይወት ከምዘለዉን ኣረጋጊጸን’የን ክብል ኣፍሊጡ።
እቲ ኣብ ዋሺንግተንን ለንደንን ቤት ጽሕፈት ዘለዎ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ዝርርብ ቀሊል ከምዘይከውን ኣሚቱ።
ነዚ ጉዳይ’ዚ ብዝምልከት ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝወጸ ዝኾነ ሓበሬታ የለን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0