ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ዴሞክራስያዊ ምስግጋር ስልጣን ክትግበር ምኽኣሉ ተስፋ ሰላም’ዩ

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ዴሞክራስያዊ መስርሕ ዝተኸተለ ምስግጋር ስልጣን ክትግበር ምኽኣሉ፣ ኣብቲ ዞባ ዝዓበየ ተስፋ ሰላም’ዩ ክብሉ ዲፕሎማሰኛታት ይገልጽዎ ኣለዉ።
ብሸኽ ሸሪፍ ሸኽ ኣሕመድ ዝምራሕ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክትመሓደር ዝጸንሐት ሶማል፣ ህዝቢ ብዴሞክራስያዊ ኣገባብ ብ275 ኣባላት ባይቶ ብምምራጽ ኣብ ዘካየደቶ ቅዋማዊ ፕረዚደንት ናይ ምምራጽ መስርሕ፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ክትመርጽ እንከላ፣ ኢትዮጵያ ድማ ድሕሪ ሞት ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ፣ ዴሞክራስያውን ቅዋማውን ኣገባብ ዝተኸተለ ምስግጋር ስልጣን ብምክያድ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር መሪጻ ኣላ።
190 ካብ 275 ድምጺ ኣባላት ባይቶ ብምርካብ ዝተረቑሐ ሓድሽ ፕረዚደንት ናይታ ገና ምሉእ ርግኣትን ጸጥታን ዘየውሓሰት ዘላ ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ንሓሙሽተ ዓመት ዝጸንሕ መንግስቲ እታ ሃገር ንምግልጋል ትማሊ ቃለ መሓላ ክፍጽም እንከሎ፣ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝተረቁሐ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ድማ ኣብ መጀመርያ መዓልታት ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ቃለ መሓላ ክፍጽም ትጽቢት ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ሃለማርያም ደሳለኝ፣ ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምፍጻም ቃለ መሓላ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማል’ውን ተረኺቡ ኔሩ’ዩ።
ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማል ብቴክኖሎጂ ክሳብ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ትምህርቱ ዝተኸታተለን ከም መምህርን ተጣባቒ መሰላትን ኮይኑ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐ ክኸውን እንከሎ፣ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ድማ ብኢንጂነሪንግ ማለት ምህንድስና ዝልዓለ ትምህርቲ ዝተኸታተለን፣ ኣብ ዩኒቬርሲቲ ፕሮፌሰር ናይ ምህድስና ኮይኑ ዘገልገለን ድሕሪኡ ድማ ሓላፊ ክፍሊ ምህንድስና ማለት ዲን ናይቲ ደፓርትመንት ዝነበረን’ዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምስግጋር ስልጣን ናብ ሓድሽ መንእሰያት ወለዶ ብዝወሰዶ ተባዕ ተበግሶ፣ ደርግ ንምእላይ ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ ወልሓንቲ ኣበርክቶ ንዘይነበሮ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ከም ላዕለዋይ መራሒ ሃገር ክመርጽ እንከሎ፣ እታ ንልዕሊ 21 ዓመት ትካላዊ መንግስቲ ዘየነበራ ሶማል ድማ፣ ሓድሽ ኣፍደገ ንምቛም ትካላዊ ስርዓት ብእትወስዶ ዘላ ተበግሶ’ያ ኣብ ፖለቲካ ሶማል ብዙሕ ተፈላጥነት ዘይነበሮ ሓድሽ ፕረዚደንት መሪጻ ዘላ።
እዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ኣተግቢረንኦ ዘለዋ መስርሕ፣ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንመጻእ ኣታኣማማኒ ሰላምን ርግኣትን ዘለዎ ዞባ ከምዝኸን ዝእንፍት ደኣ ይኹን’ምበር በንጻሩ፣ ኣብ ኤርትራን ሱዳንን ዘለዉ መራሕቲ ግና፣ ብሒቶሞ ዘለዉ ስልጣን ብሰለማዊ መገዲ ናብ ህዝቢ ከምዘሰጋግሩ ዝእንፍት ወልሓንቲ መስርሕ ብዘይምህላዉ፣ ንተስፋ ሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣሻቓሊ ይገብሮ።
ሱዳን ከም ምክትል ፕረዚደንት፣ ባይቶ፣ ወዘተ ዝኣመለሉ ጽላታት መንግስቲ ዘለዋ እኳ እንተኾነት፣ ኣልበሽር ግና ብዘየማትእ ስልጣን ንምብሓት ከምዝሰርሕ’ዩ ዝንገረሉ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ድማ ካብዚ ብዝበኣሰ፣ ባይቶ የለ ምክትል ፕረዚደንት፣ ምሉእ ጽላታት መንግስቲን ሃገርን ብፕረዚደንት ዝተባሕተ ምዃኑ ይፍለጥ።
ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ’ውን ምስግጋር ስልጣን ከውሕስ እኳ እንተዘይክኣለ፣  ስልጣን ብሓደ ዝተባሕተ ብዘይምዃኑን ፣ ከም ምክትል ፕረዚደንት፣ ቀዳማይ ሚኒስተርን ኣፈኛ ባይቶን ዝኣመሰሉ ስልጣናትን ስለዘለዉ፣ ፕረዚደንት ብሞት ኮነ ካልእ ምኽንያት ኣብ ስልጣን ኣብ ዘይህልወሉ ሃጓፍ ከጋጥም ኣይክእልን’ዩ ዝብል እምነት ከምዘሎ ተንተንቲ ፖለቲካ እዚ ዞባ ይተቕስዎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0