ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ናብ ኤርትራ ክበጽሕ’ዩ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ናብ ኤርትራ ክበጽሕ’ዩ

Radio Erena: 25 September 2018

eseyas and mateo     ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጁሰፐ ኮንተ ናብ ኤርትራ ክበጽሕ ምዃኑ መርበባት ሓበሬታ እታ ሃገር ኣፍሊጠን።

     እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናብ ኤርትራ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ምግታእ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ልምዓታዊ ምትሕግጋዝን ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ክመያየጥ ትጽቢት ኣሎ።

     ብዋሕዚ ስደተኛታት እተማርር ዘላ ኢጣልያ፣ ብዘይካ’ቲ ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ናብ ገማግም ባሕራ ከይጽግዓ ምኽልካላ፣ ምስተን ዜጋታተን ብብዝሒ ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለዉ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ብምዝርራብ፣ ነቲ ዋሕዚ ንምግትኡን ስደተኛታት ናብ ዓዶም ተመሊሶም ዝጣየስሉን መደባት ከምዘለዋ ክትገልጽ ጸኒሓ’ያ።

 

     ኣብዚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላም ከቲመናሉ ዝብሃለሉ ዘሎ ወቕቲ ድማ፣ ኢጣልያ ምስ መንግስታት እዘን ሃገራት ኣብ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታትን ልምዓታዊ ሓገዛትን ንምምይያጥ ተበግሶ ወሲዳ ኣላ።

     ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጁሰፐ ኮንተ፣ ቅድሚ ናብ ኤርትራ ምእታዉ ኣብ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ምብጻሕ ከካይድ’ዩ።

     እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ኣብዚ ልዕሊ 15 ዓመታት ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ናይ መጀመርያ መራሒ ናይ ኤውሮጳዊት ሃገር ክኸውን’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0