ከሰላ፣ ምስ ዓሶ ዝመሳሰል ሕማም ይላባዕ ከምዘሎ ተገሊጹ

ከሰላ፣ ምስ ዓሶ ዝመሳሰል ሕማም ይላባዕ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 25 September 2018

 sudan chikunguya    ኣብ ሱዳን ዞባ ከሰላ ምስ ዓሶ ዝመሳሰል ሕማም ይላባዕ ከምዘሎ ንመግለጺ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ብምጥቃስ ሬድዮ ዳባንጋ ሓቢራ።

     በቲ “ቺኩንጉያ” እናተባህለ ዝግለጽ ዘሎ ሕማም፣ ዛጊት ልዕሊ 6 ሽሕ ሰባት ከምዝተጠቕዑ ንሓላፊት ክፍሊ ህጹጽ ሕክምና ዶክተር ለይላ ሓማድ ኤል ኒል ብምጥቃስ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የመልክት።

 

     እዚ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ከምዝተቐላቐለ ዝግለጽ ዘሎ ሕማም፣ ብቫይረስ ዝስዕብ ኮይኑ ብጣንጡ ከምዝመሓላለፍ’ዩ ዝግለጽ።

     እቲ ልዑል ረስኒን ቃንዛ ኣብ መላግቦታትን ዝኣመሰሉ ምልክታት ዘለዎ ሕማም፣ ቅልጡፍ ሞት ዘየስዕብ እኳ እንተኾነ፣ቅልጡፍ ሕክምና እንተዘይረኽቡ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ክሳብ ኣዋርሕ ኣብ ዘሎ ግዜ ከቢድ ስንክልና ከምዘስዕብ ክኢላታት ይገልጹ።

     ኣብ ዞባ ከሰላ ተላቢዑ ከምዘሎ ዝግለጽ “ቺኩንጉያ” ዘመሓላልፉ ጣንጡ፣ ምስቶም ከም ደንግን ዚካን ዝብሃሉ ሕማማት ዘመሓላልፉ ዓይነት ጣንጡ ተመሳሰልቲ ምዃኖም እቶም ክኢላታት የረድኡ።

     እቲ ሕማም ኣብ ከባቢ ከሰላ ሸውዓተ ሰባት ከምዝቐተለ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሜድያታት ሱዳን ይጠቕሱ እኳ እንተለዉ፣ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ግና ኣየረጋገጾን።

     ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሱዳን ዞባ ከሰላ ከምዝተላብዐ ዝንገር ዘሎ ሕማም ብዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0