ኢጣልያ፣ ስደተኛታት ነናብ ዓዶም ንምጥራዝ ዘኽእላ ሓድሽ ሕጊ ኣጽዲቓ

ኢጣልያ፣ ስደተኛታት ነናብ ዓዶም ንምጥራዝ ዘኽእላ ሓድሽ ሕጊ ኣጽዲቓ

Radio Erena: 26 September 2018

Italy Migrants

ኢጣልያ፣ ስደተኛታት ነናብ ዓዶም ንምጥራዝ ዘኽእላ ሓድሽ ሕጊ ኣጽዲቓ።

እታ ሃገር ነዚ ተጽድቕ ዘላ፣ ቀዳማይ ሚኒስተራ ጁሰፐ ኮንተ ብዛዕባ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት፣ ነናብ ዓዶም ምምላስን ምጥያሶምን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ምስ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምዝርራብ፣ ዝመጽእ ወርሒ ጥምቅቲ ናብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ክበጽሕ ምዃኑ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ብማእከላይ ባሕሪ እናሰግሩ ናብ ኢጣልያ ዑቕባ ካብ ዝሓቱ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ምስ ቀዳሞት’ዩ ዝስራዕ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሊብያ ከተማ ጥራብሎስ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ 117 ዜጋታታ ናብ ዓዶም ከምዝመለሰት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጽኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቶም ኢትዮጵያውያን፣ ብምትሕብባር ኣብ ግብጺ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያን ኣህጉራውያን ማሕበራት፣ ብዝተዳለወሎም ፍሉይ በረራ’ዮም ብ25 መስከረም ናብ ዓዶም ኣትዮም።

ኣብዚ እዋን፣፣ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝርከብዎም ኣሽሓት ስደተኛታት፣ ኣብ ጥራብሎስን ካልኦት ከተማታት ሊብያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲን መዝርዓታትን ብሕማቕ ኩነታት ተታሒዞም ይሳቐዩ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0