ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ የካይድ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ የካይድ

Radio Erena: 05 September 2018

 aby iss in assab           ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ   ስራሕ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

          እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሎሚ ረፍዲ፣ ብዓሰብ ኣቢሉ ኤርትራ ኣብ   ዝኣተወሉ፣ ፕረዚደንት ኢሰያስ ከምዝተቐበሎ ወግዓዊ ልሳን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

          ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፣ ንወደባት ዓሰብን   ባጽዕን፣ ከምኡ’ውን ነቲ ካብ ወደብ ዓሰብ ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ዝዝርጋሕ 71   ኪሎሜተር መስመር ጽርግያ ተዓዚቡ።

 

          ወደብ ዓሰብ ጽገናታት ተገይሩሉ ኣብዚ ዝመጽእ ሒደት ሳምንታት   ኣገልግሎቱ ክጅምር ምዃኑ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፍሊጡ።

 

            ንሱ ብተወሳኺ፣ ነታ ኣብ ወደብ ባጽዕ ኣትያ ዘላ ናይ ኢትዮጵያ ናይ   ንግዲ መርከብ ከምዝበጽሓ ተገሊጹ። እታ ‘መቐለ’ ዝተሰምየት ናይ ንግዲ መርከብ፣ ከም ዚንጎ ዝኣመሰለ ፍርያት ዕደና ኤርትራ ዝኾነ 11 ሽሕ ቶን ጥረ ነገራት ሒዛ ናብ ቻይና ክትጎዓዝ ምዃና ይግለጽ። aby iss in assab

           ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፋና፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ኤርትራ ዑደቱ ብኣስመራ’ዩ ክዛዝም። ኣስመራ ኣብ ዝጸሓሉ፣ ምስ ፕረዚደት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ነቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተፈረመ ስምምዓት ተግባራውነቱ ዝቀላጠፈሉ ዘተ ከምዘካይድ ተሓቢሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0