ሊብያ፣ ውግእ ሓድሕድ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ከቢድ ሓደጋ የንጸላሉ

ሊብያ፣ ውግእ ሓድሕድ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ከቢድ ሓደጋ የንጸላሉ

Radio Erena: 05 September 2018

 

 eritrawyan ab libya    ኣብ ሊብያ ከባቢ ሓደ ሰሙን ኣቑጺሩ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ፣ ኤርትራውያን ኣብ ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ከቢድ ናይ ህይወት ስግኣት ፈጢሩ ከምዘሎ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

      ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝሕልኑ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን በዚ ተኸሲቱ ዘሎ ስርዓተ ኣልቦነትን ሕንፍሽፍሽን ብዘይ ረዳኢ ተሪፎም ብምህላዎም፣ ብተደጋጋሚ ናይ ርድኡና ኣውያት የስምዑ ኣለዉ።

       ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሰሉስ 4 መስከረም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ሚሊሻ ተፈጢሩ ዘሎ ውግእ፣ ብፍላይ ኣብቶም ከባቢ 8 ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት፣ ከቢድ ናይ ህይወት ሓደጋ ኣንጸላልዩ ከምዘሎ ሓቢሩ።

          ተጸዋዒ ስደተኛታት ምስ ዓለማዊ ውድብ መግቢን ሚኒስትሪ ውሽጣዊጉዳያት ሊብያን ብምትሕብባር፣ ኣብ ክልተ መዳጎኒ መዓስከራት ንዘለዉ ስደተኛታት መግቢ ከብጽሓሎም’ኳ እንተኸኣለ፣ እቲ ኲናት እንዳበኣሰ ብምምጽኡ፣ ኣብ ኣቡ ሰሊም ንዝርከቡ ስደተኛታት ክበጽሖም ከምዘይከኣለ ኣፍሊጡ።

 

eritrawyan ab libya2

         ሓካይም ብዘይዶብ ብወገኑ፣ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት መጽለሊ ስኢኖም ጥራይ ዘይኮነ ንህይወቶም ዝፈርሑሉ እዋን ኣጋጢሙ ስለዘሎ፣ ሃገራት ኤውሮጳ ካብ መግለጺታት ዝሓልፍ ግብራዊ ስጉምቲ ክወስዳ ጸዊዑ።

         ገለ ካብ’ዞም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብቲ ዝነበርዎ መዓስከራት ዝነበሩ ሓለውቶም ራሕሪሖሞም ስለዝኸዱ፣ ኣብ ጎደናታት ከተማ ትሪፖሊ ተደርብዮም ከምዘለዉ’ዮም ዝገልጹ።

          ከምዝፍለጥ ሃገራት ኤውሮጳ ብመንገዲ ኢጣልያ ኣቢለን፣ ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ስልጠናታትን ናይ ሎጂስቲክ ሓገዛትን ብምብርካት፣ ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ንዝፍትኑ ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣትዉ ክገብራ ጸኒሐን’የን።

          ፈረንሳ፣ ኢጣልያ፣ ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብሓደ መስከረም ኣብ ዘውጸኦኦ ናይ ሓባር መግለጺ፣ እቶም ኣብ ኲናት ተጸሚዶም ዘለዉ ጉጅለታት ሚሊሻ፣ ብቕጽበት ተኹሲ ደው ከብሉ ጸዊዐን።

         ኢጣልያ ብወገና ናይዚ ኣብ ሊብያ ተፈጢሩ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ፣ ገለ ክፋሉ ፈረንሳ ብሓላፍነት ከም እትሕተተሉ እያ ገሊጻ።

         እቶም ኣብ በበይኑ መዓስከራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘይተኣደነ ግፍዕታት ክወርዶም ምጽንሑ በብእዋኑ ክግለጽ እኳ እንተጸንሐ እዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ ኣስዒቡዎ ዘሎ ስርዓተ ኣልቦነት ግና፣ ንህይወቶም ኣስጊኡ ስለዘሎ፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝከኣሎም ሓገዝ ክገብሩ ተማሕጺኖም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0