ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ፣ ሰበስልጣን ጂቡቲ ንብረት ዲፒ ዎርልድ ከይትንክፍዎ ውሳኔ ኣመሓላሊፉ

ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ፣ ሰበስልጣን ጂቡቲ ንብረት ዲፒ ዎርልድ ከይትንክፍዎ ውሳኔ ኣመሓላሊፉ

Radio Erena: 06 September 2018

wedeb doralehቤት ፍርዲ ብሪጣንያ፣ ሰበስልጣ ጂቡቲ ኣብ ወደብ ዶራለ ዝርከብ ቤት ጽሕፈታትን ኣባላትን ዲፒ ዎርልድ ክትንክፍዎም የብሎም ክብል ውሳኔ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ፍርዲ ብ 5 መስከረም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ መንግስቲ ጂቡቲ ምስ ዲፒ ዎርልድ ናይ ዱባይ ዝኣተዎ ውዕል ገና ስለዘይተሰረዘ፣ ምምሕዳር ወደባት ጂቡቲ ንቤት ጽሕፈታት’ቲ ትካል ክትክእዎ ዝገብርዎዘለዉ ፈተነ ደው ክብል ኣዚዙ።

 

ከም ዝዝከር፣ መንግስቲ ጂቡቲ፣ ዲፒ. ዎርልድ ናይ ዱባይ፣ ወደብ ዶራለ ብግቡእ ከይሰርሕ ዕንቅፋታት ይፈጥር ኣሎ ብምባል ዝነበሮ ኮንትራክት ከይወደአ ውዕሉ ክስርዝ ብምፍታኑ፣ ኣብ ብሪጣንያ ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክሲ ተመስሪቱሉ እዩ።

ውሳኔ’ቲ ቤት ፍርዲ፣ ምምሕዳር ወደብ ዶራለ ገና ኣብ ኢድ ዲፒ ዎርልድ ስለዘሎ፣ መግስቲ ጂቡቲ ምትእትታው ከይገብር ኣጠንቂቑ።

ነዚ ውሳኔ ዝጥሕሱ ሰብ መዚ ኣገልግሎት ወደብ ጂቡቲ፣ ክሳብ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ክወሃቦም ምዃኑ እቲ ቤት ፍርዲ ወሲኑ።

ጂቡቲ፣ ንምስራዝ ውዕል ምምሕዳር ተርሚናልን ዝሰዓበ ናይ ይግበኣኒ ክስታን፣ ተወሳኺ መርትዖታት ን14 መስከረም ከተቕርብ እቲ ቤት ፍርዲ ብተወሳኺ ኣዚዙ’ሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0