ሱዳን፣ ካብ ቻይና ነፈርቲ ውግእ ትሽምት

ሱዳን፣ ካብ ቻይና ነፈርቲ ውግእ ትሽምት

Radio Erena: 18 May 2018

Sudan Jet fighter

ሱዳን፣ ሽዱሽተ ነፈርቲ ውግእ ካብ ቻይና ከምዝሸመተት ወትሃደራውያን ምንጭታት ሱዳንን ቻይናን ኣፍሊጦም።

እተን FTC-2000 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ብ16 ግንቦት ካርቱም ኣብ ዝኣተዋሉ፣ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ሜጀር ጀነራል ዓዋድ ኻልፋላህ ማራዊንን ኣብ ካርቱም ናይ ዝርከብ ኤምባሲ ቻይና ወትሃደራዊ ኣታሸን ተረኺቦም ኔሮም።

ሱዳን ነተን ነፈርቲ ንምሽማተን ኣብ መወዳእታ 2016 ምስ ቻይና ውዕል ከምዝኸተመት ይዝከር።

እዘን ወትሃደራውያን ነፈርቲ፣ ክልተ ኣብረርቲ ዝሓዛ ኮይነን፣ ብዝያዳ ኣብ ልምምድን ቀለልቲ ወትሃደራዊ ስርሒታትን ከምዘገልግላ’የን ዝግለጻ።

 

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0