ኢትዮጵያ፣ ህንዳዊ ኣካያዲ ስራሕ ናይ ወጻኢ ኩባንያን ክልተ ኢትዮጵያውያን መሳርሕቱን መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ተቐቲሎም

ኢትዮጵያ፣ ህንዳዊ ኣካያዲ ስራሕ ናይ ወጻኢ ኩባንያን ክልተ ኢትዮጵያውያን መሳርሕቱን መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ተቐቲሎም

Radio Erena: 18 May 2018

indian in ethiopia

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ህንዳዊ ኣካያዲ ስራሕ ዳንጎት ዝተባህለ ብኩባንያ ናይጀርያ እትውነን ፋብሪካ ሰሜንቶ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ከምዝተቐትለ ምንጭታት ዜና ኣረጋጊጾም።

እቲ ዲፕ ካራማ ዝተባህለ ህንዳዊ ማናጀር ምስ ክልተ ኢትዮጵያውን መሳርሕቱ ከምዝተቐትለ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ጠንቂ እቲ ቅትለት ተራ ናይ ስርቂ ገበን ዶ ወይስ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ’ዩ ገና ከምዘይተነጸረ ኣመልኪቶም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ቕትለት ንዝፈጸሙ ሰባት ይሃድን ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ።

 

ዳንጎት ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተተኽለት ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ናይ ወጻኢ ሃገራት ወፍርታት ኮይና፣ ህዝቢ ኦሮሞ ተቓውሞ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ ግዜ፣ ተቓጺላ ምንባራ’ዩ ዝግለጽ።

እዚ ትማሊ 17 ግንቦት ተቐቲሉ ዘሎ ህንዳዊ ኣመሓዳሪኣ፣ ካብ ክልል ኦሮሞ ናብ ኣዲስ ኣበባ እናተመልሰ’ዩ እቲ መጥቃዕቲ ወሪድዎ።
እቶም ምስኡ ዝተቐትሉ ክልተ ኢትዮጵያውያን ከኣ እቲ ሓደ ኣውቲስትኡ ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣዩ ድማ ጸሓፊኡ ምዃኑ ተሓቢሩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0