ደቡብ ሱዳን፣ በስገዳድ ተዓስኪሮም ዝጸንሑ 210 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ናብ ሰላማዊ መነባብሮኦም ተፋንዮም

ደቡብ ሱዳን፣ በስገዳድ ተዓስኪሮም ዝጸንሑ 210 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ናብ ሰላማዊ መነባብሮኦም ተፋንዮም

Radio Erena: 20 May 2018

child soldiersኣብ ደቡብ ሱዳን በስገዳድ ተዓስኪሮም ዝጸንሑ 210 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ናብ ሰላማዊ መነባብሮኦም ከምዝተፋነዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

እቶም ብዓርቢ 18 ግንቦት ዝተፋነዉ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት፣ ኣብ ተቓወምቲ ሓይልታት ብረት ዓጢቖም ክዋግኡ ዝጸንሑ ምዃኖም ተሓቢሩ።

ወኪል ዩኒሴፍ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቶም 210 ትሕቲ ዕድመ ብወግዒ ብረቶም ድሕሪ ምርካብ ናብ ሲቪላዊ ህይወት ተመሊሶም፣ ናይ ሰለስተ ወርሒ ቀለብን ናይ ሞያ ስልጠናታትን ክወሃቦም ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ንሳልሳይ ግዚኡ ዝተኻየደ እዚ ትሕቲ ዕድመ ካብ ሰራዊት ናይ ምፍናው ስነስርዓት ን806 ህጻናት ናይ ምጥያስ ዕድል ሂቡ ኣሎ።

ውግእ ሓድሕድ ደቡብ ሱዳን ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ፣ ኣብ በበይኖም ተቓወምቲ ሓይልታት ዝርከቡ ልዕሊ 19 ሽሕ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ብረት ዓጢቖም ከምዘለዉ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0