ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታት ብዝተላዕለ ፍሕፍሐ ወደብ ስዋኪን ንሓያሎ መዓልታት ተዓጽዩ

Radio Erena: 01 August 2022

ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ሱዳን፣ ወደብ ስዋኪን ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታት ብዝተላዕለ ፍሕፍሐ፣ እቲ ወደብ ካብ 28 ሓምለ ኣትሒዙ ንኣርባዕተ መዓልታት ካብ ስራሕ ተሰናኺሉ ከምዘሎ ራድዮ ዳባንጋ ሓቢራ።

ሓደሽቲ ዝቕተቖጽሩ ኣስታት 190 ሰራሕተኛታት፣ ካብቶም ገዳይም ኣባላት ተነጽሎ ይገጥሞም ከምዘሎ ብምቅዋም፣ ናብቲ ወደብ ዘእቱ ቀጽርታት ከምዝዓጸውዎ’ዩ ተመልኪቱ።

እቶም ገዳይም ሰራሕኛታት ብወገኖም፣ ካብ ስልጣኑ ብተቓውሞ ብዝተኣልየ ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ ነበር፣ ዓሊ ዓብደላ ኣደሮብ ዝተቖጽሩ ሓደስቲ ኣባላት፣ ብቀቢላ ዝተሓርዩ ምዃኖም’ዮም ዝወቕሱ።

ኣብ ዞባታት ምብራቕ ሱዳንን ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ብሰንኪ ተፈጢሩ ዘሎ ኣብ ቀቢላ ዘተኮረ ምስሕሓብ፣ ወደባት ፖርት ሱዳንን ስዋኪን ብተደጋጋሚ ብተቓውሞ ክዕጸዋ ምጽንሐን ይፍለጥ።

ስዋኪን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ሓደ ካብ ጥንታዊ ወደባት ኮይኑ፣ ኣብ ሱዳን ብዕብየቱ ድሕሪ ፖርት ሱዳን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይስራዕ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0