ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ኣብ ካይሮ ንምርኻብ ንኻልኣይ እዋን ዘቕረቦ ጠለብ ተቐባልነት ይስእን

Radio Erena: 01 August 2022

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናብ ግብጺ ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ንክራኸብ ዘቕረቦ ጠለብ ሕጂ’ውን ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ምንጭታት ዲፕሎማሲ ንራድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት’ዚ ተመሳሳሊ ጠለብ ኣቕሪቡ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፣ ግብጺ ኣብቲ እዋን’ቲ እወታዊ ምላሽ ኣይሃበቶን።

ብ18 ሕዳር 2021 ናብ ግብጺ ምብጻሕ ዘካየዱ፡ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ኣቶ የማነ ገብርኣብን፣ ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተላእከ ጠለብ ዑደት ዝርከቦ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ግብጺ፣ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ’ዮም ኣብጺሖም።

እንተኾነ፣ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ጽዑቕ ናይ ስራሕ መደባት ተጸሚዱ ምንባሩ ብምጥቃስ፣ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ካልእ እዋን ክሰጋገር ዝብል መልሲ ከምዝተዋህቦም ኣይርሳዕን።

ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ብኣምባሳደር ፋሲል ገብረስላሴ ኣቢሉ ተመሳሳል ደብዳቤ ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ከምዝተላእከ’ዩ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘመልክት።

ግብጺ፣ ሕጂ’ውን ንጠለብ ርክብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ፣ ‘ኣብ ዝሓጸረ ካልእ እዋን’ ዝብል መልሲ እኳ ከምዝሃበትሉ እኳ እንተተገልጸ፣ ንጹር ዕለት ኣይሃበትን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ግብጺ ንምብጻሕ ብተደጋጋሚ ዝሓተሉ ዘሎ ምኽንያት፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ግብጺ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ኩነታትን ኤርትራ ክትገብሮ እትኽእል ኣበርክቶ ንምምይያጥ ምዃኑ ይሕበር።

ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ምፍጣጥ እትርከብ ግብጺ፣ ፖለትካዊ፣ ዲፕሎማስያውን ወትሃደራውያን ጸቕጢ ንምፍጣር ምስ ጎረባብቲ ኢትዮጵያ ዝኾና ሃገራት ዝምድናታታ ንምዕባይ’ያ ትሰርሕ ዘላ።

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምፍጣጥ ዝነበረት ኤርትራ ምስ ግብጺ ጥሙቕ ዝምድና ከምዝነበራ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ግብጺ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝምድንኡ ካብቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተሻሪኹ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንላዕሊ፣ ምስ ካልኦት እቲ ዞባ ኣዛዝዩ ምህላዉ ተንተንቲ የረድኡ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0