ሓይልታት ለውጢ ሱዳን ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር ክረቑሕ ተስፋ ኣሎ

Radio Erena: 02 August 2022
ሓይልታት ንለውጢ ሱዳን፣ ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝመርሕ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ክረቑሑ ምዃኖም፣ ንሓደ ካብ መራሕቲን ኣባላትን ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ነበር፣ መሓመድ ኣል ፋኪ ብምጥቃስ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

ንሱ፣ ብጀነራል ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ብ4 ሓምለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ናብ ዘተ ንምቕራብ ፖለቲካውያን ሓይልታት ሱዳን፣ ሲቪላዊ መሰጋግሪ መንግስቲ ከቝሙ’ዩ ጸዊዑ።

ኣል ቡርሃን፣ ነቲ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት በሺር ዝቖመ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ብወግዒ ብምብታን፣ ሓድሽ ኣቓውማን ብቕዓትን ዘለዎ ወትሃደራዊ ጉጅለ ከቕውም ምዃኑ ገሊጹ’ዩ።

ብዝተፈላለዩ ፖለቲካውያን ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ዝቖመ ሓይልታት ንለውጢ ሱዳን፣ ነዚ ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው’ዩ ኣብዚ ክልተ ሰሙን ቅዋማዊ ምትዕርራይ ክገብርን ቀዳማይ ሚኒስተር ክረቑሕን ምዃኑ ዝገልጽ ዘሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ዓብደላ ሓምዶክ፣ ኣብ 25 ጥቅምቲ 2021 ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ፣ ስልጣን መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ብወትሃደራዊ ጉጅለ ተዓብሊሉ’ዩ ዝርከብ።

ሓድሽ ዝርቛሕ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ካቢነ ሚኒስተራት ናይ ምቛምን ፖለቲካዊ ዘተ ንዘካይድ ኣካል ሲቪላዊ መሰጋግሪ መንግስቲ ናይ ምምራሕን ዕማም ክህልዎ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0