ሰራዊት ሱዳን ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ከምዘይወዳደር ጀነራል ኣልቡርሃን ገሊጹ

Radio Erena: 07 December 2021

ኣብ ሱዳን፣ ኣብ 2023 ካየድ ተመዲቡ ኣብ ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ፣ ኣባላት ሰራዊት እታ ሃገር ንውድድር ከምዘይቀርቡ፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ገሊጹ።

እቲ ጀነራል ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቅ፣ ኣብቲ ብ21 ሕዳር ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝተበጽሐ ስምምዕ ነዚ ነጥቢ’ዚ ከምዘነጽር ኣረዲኡ።

ንበርጌሳውያን ማሕበራት ዝወከለ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ኣብ 20 ጥቅምቲ ብምእላይ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓዶክ ንዝርከቦም ኣባላቱ ዝኣሰረ ጀነራል ኣል ቡርሃን፣ ንኣስታት ሰለስተ ሰሙን ብዝቐጸለ ህዝባዊ ናዕቢን ኣህጉራዊ ጸቕጥን፣ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ቦትኡ ክመልሶ’ዩ ተቐሲቡ።

እንተኾነ፣ ኣብቲ ብ21 ሕዳር ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝተብጽሐ ስምምዕ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፣ ኣብ 2023 ሃገራዊ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ፣ ኣብ ምሕደራ ጥራይ ዘተኩር ካቢነ ሚኒስተራት ዘለዎ መንግስቲ ከቕውም’ዩ ተፈቒድሉ።

እዚ ማለት፣ ክሳብ እቲ ምርጫ ዝካየድ፣ እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ናይ ፈጻሚ ኣካል ስልጣን ኣይክህልዎን’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0